ምልክት “ዳሕሮት መዓልትታት” እንታይ እዩ፧
መልሲ መጽሓፍ ቅዱስ
መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ምልክት “መደምደምታ [እዚ] ስርዓት፡” ወይ “መወዳእታ ዓለም” ዝዀነ ፍጻመታትን ኵነታትን ባህርያትን ይገልጽ እዩ። (ማቴዎስ 24:3፣ ትርጉም 1956) መጽሓፍ ቅዱስ ነዚ እዋን እዚ፡ “ዳሕሮት መዓልትታት፡” ወይ “ግዜ መወዳእታ” ኢሉ ይጽውዖ።—2 ጢሞቴዎስ 3:1፣ ዳንኤል 8:19።
ብዛዕባ “ዳሕሮት መዓልትታት” ዚገልጽ ትንቢታት መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ እዩ፧
መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ምልክት” ዳሕሮት መዓልትታት ዝዀነ ኣብ ሓደ እዋን ዚፍጸም ሓያሎ ነገራት ከም ዚህሉ ተነብዩ እዩ። (ሉቃስ 21:7) ገለ ኣብነታት ንርአ፦
ሰፊሕ ውግእ። የሱስ፡ “ህዝቢ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ፡ መንግስቲ ድማ ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ኺልዓል እዩ” ኢሉ ተነብዩ እዩ። (ማቴዎስ 24:7) ብተመሳሳሊ፡ ኣብ ራእይ 6:4፡ ብዛዕባ ሓደ “ንሰላም ካብ ምድሪ ኼርሕቓ” እተፈቕደሉ ንውግእ ዜመልክት ምሳልያዊ ፈረሰኛ ብትንቢት ተነጊሩ እዩ።
ጥሜት። የሱስ፡ “ጥሜት . . . ኪኸውን እዩ” ኢሉ ተነብዩ እዩ። (ማቴዎስ 24:7) ኣብ መጽሓፍ ራእይ እውን መጠነ ሰፊሕ ጥሜት ብዛዕባ ዜስዕብ ካልእ ምሳልያዊ ፈረሰኛ ብትንቢት ተነጊሩ እዩ።—ራእይ 6:5, 6።
ብርቱዕ ምንቅጥቃጥ ምድሪ። የሱስ፡ ‘ኣብ በቦታኡ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ኪኸውን እዩ’ ብምባል ተነብዩ እዩ። (ማቴዎስ 24:7፣ ሉቃስ 21:11) ኣብ ብዘላ ዓለም ዜጋጥም ብርቱዕ ምንቅጥቃጥ ምድሪ፡ ካብ ቅድሚ ሕጂ ብዝያዳ ብዙሕ መከራን ሞትን የስዕብ ኣሎ።
ሕማም። የሱስ፡ ለበዳ፡ ወይ “ፌራ” ኸም ዚኸውን ተነብዩ እዩ።—ሉቃስ 21:11፣ ትርጉም 1956።
ገበን። ሰባት ንዘመናት ገበን ኪፍጽሙ እኳ እንተ ጸንሑ፡ የሱስ ኣብ ዳሕሮት መዓልትታት ‘ጥሕሰት ሕጊ ኸም ዚበዝሕ’ ተነብዩ እዩ።—ማቴዎስ 24:12።
መጥፋእቲ ምድሪ። ኣብ ራእይ 11:18፡ ደቂ ሰብ “መጥፋእቲ ምድሪ” ኸም ዚዀኑ ብትንቢት ተነጊሩ ኣሎ። ነዚ ኸኣ ብብዙሕ ነገራት፡ ማለት ብዓመጻን ብብልሽውናን ጥራይ ዘይኰነስ፡ ኣብ ኣካባቢ ጕድኣት ብምስዓብ እውን እዮም ዚፍጽምዎ።
ምብልሻው ባህርያት። መጽሓፍ ቅዱስ፡ ኣብ 2 ጢሞቴዎስ 3:1-4፡ ሰባት ብሓፈሻ፡ “ዘየመስግኑ፡ ዘይእሙናት፡ . . . ንስምምዕ ፍቓደኛታት ዘይኰኑ፡ ሓመይቲ፡ ርእሶም ዘይገትኡ፡ ጨካናት፡ ሰናይ ዘይፈትዉ፡ ጠላማት፡ ነቓጻት፡ ብትዕቢት እተነፍሑ” ኪዀኑ ምዃኖም ተነብዩ እዩ። እዚ ኸምዚ ዝኣመሰለ ባህርያት ኣብቲ ኣዝዩ ዝኸፍአ ደረጃኡ ስለ ዚበጽሕ፡ እቲ እዋን እቲ፡ “ጽንኩር ግዜ” ተባሂሉ ኣሎ።
ምብትታን ስድራ ቤታት። ሎሚ ብዙሓት ሰባት ከምቲ መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ 2 ጢሞቴዎስ 3:2, 3 እተነበዮ፡ “ፍቕሪ ንስድራ ቤቶም ዘይብሎም፡” ውሉዳት ከኣ፡ “ንወለዶም ዘይእዘዙ” ኰይኖም ኣለዉ።
ፍቕሪ ንኣምላኽ ይዝሕል። የሱስ፡ “ናይ መብዛሕትኦም ፍቕሪ ኽትዝሕል እያ” ብምባል ተነብዩ እዩ። (ማቴዎስ 24:12) የሱስ ከምዚ ኺብል ከሎ፡ ኣብ መብዛሕትኦም ሰባት እታ ንኣምላኽ ዝነበረቶም ፍቕሪ ከም እትዝሕል እዩ ዚገልጽ ነይሩ። ብተመሳሳሊ፡ 2 ጢሞቴዎስ 3:4 ኣብተን ዳሕሮት መዓልትታት፡ ሰባት፡ “ካብ ንኣምላኽ ምፍቃርሲ ተድላ ዚፈትዉ” ኸም ዚዀኑ ትገልጽ እያ።
ሃይማኖታዊ ግብዝና። መጽሓፍ ቅዱስ፡ ኣብ 2 ጢሞቴዎስ 3:5፡ ሰባት ንኣምላኽ ዜምልኹ ኸም ዚመስሉ፡ ግናኸ ብስርዓታቱ ኸም ዘይመላለሱ ተነብዩ እዩ።
ወሰኽ ምርዳእ ትንቢታት መጽሓፍ ቅዱስ። መጽሓፍ ዳንኤል ኣብ “ግዜ መወዳእታ” ብዙሓት ሰባት ብዛዕባ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ሓቂ ዘለዎም ፍልጠት ከም ዚውስኽ ተነብዩ ነይሩ። እዚ ፍልጠት እዚ፡ ነቲ ትንቢታት ብልክዕ ምርዳእ እውን የጠቓልል።—ዳንኤል 12:4።
ዓለምለኻዊ ዕዮ ስብከት። የሱስ፡ “እዚ ብስራት መንግስቲ ኸኣ፡ ንምስክር ኵሎም ኣህዛብ ኣብ ኵላ ዓለም ኪስበኽ እዩ፣ ሽዑ፡ መወዳእታ ኺመጽእ እዩ” ብምባል ተነብዩ እዩ።—ማቴዎስ 24:14።
ምስፍሕፋሕ ዘይተገዳስነትን ላግጽን። ሰባት ብሓፈሻ ነቲ መወዳእታ ኸም ዝቐረበ ዜርኢ ንጹር መርትዖ ዕሽሽ ከም ዚብልዎ፡ የሱስ ተነብዩ ነይሩ እዩ። (ማቴዎስ 24:37-39) ሰባት ሕሉፍ ሓሊፎም ነቲ መርትዖ ብምኽሓድ ከም ዜላግጹ፡ ኣብ 2 ጴጥሮስ 3:3, 4 ብትንቢት ተነጊሩ ነይሩ እዩ።
ኵሉ ትንቢታት ይፍጸም። የሱስ መለለዪ ዳሕሮት መዓልትታት ዚኸውን፡ ገሊኡ ወይ መብዛሕትኡ ትንቢታት ኪፍጸም ከሎ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ኵሉ እዚ ትንቢታት እዚ ብሓንሳእ ኪፍጸም ከሎ ምዃኑ ገሊጹ እዩ።—ማቴዎስ 24:33።
ኣብተን “ዳሕሮት መዓልትታት” ዲና እንነብር ዘሎና፧
እወ። ኵነታት ዓለምን መስርዕ ፍጻመታት መጽሓፍ ቅዱስን፡ ዳሕሮት መዓልትታት ኣብቲ ቐዳማይ ውግእ ዓለም ዝጀመረሉ ዓመት፡ ማለት ብ1914 ከም ዝጀመራ ይሕብር። ኵነታት ዓለም ኣብ ዳሕሮት መዓልትታት ንነብር ምህላውና ብኸመይ ከም ዚሕብር ምእንቲ ኽትፈልጥ፡ ነዛ እትስዕብ ቪድዮ ርኣያ፦
ብ1914 መንግስቲ ኣምላኽ ኣብ ሰማይ ክትገዝእ ጀሚራ፣ ፈለማ ዝወሰደቶ ስጕምቲ ድማ ንሰይጣን ድያብሎስን ንኣጋንንቱን ካብ ሰማይ ናብ ምድሪ ምድርባይ፡ ንንጥፈታቶም ከኣ ኣብ ምድሪ ምሕጻር እዩ ነይሩ። (ራእይ 12:7-12።) እቲ ሎሚ ዚርአ ዘሎ ብዙሕ ሕማቕ ባህርያትን ተግባራትን፡ ሰይጣን ንደቂ ሰብ ይጸልዎም ከም ዘሎ ዜርኢ እዩ፣ እዚ ኸኣ ነዘን ዳሕሮት መዓልትታት እዚአን፡ “ጽንኩር ግዜ” ኸም ዝዀና ገይርወን ኣሎ።—2 ጢሞቴዎስ 3:1።
ብዙሓት ሰባት በዚ ጽንኩር ግዜ እዚ ይጭነቑ ኣለዉ። ርክባት ማሕበረ ሰብ ይበላሾ ምህላዉ እውን የሻቕሎም እዩ። አረ ገሊኦምሲ፡ ደቂ ሰብ ጠሪሶም ንሓድሕዶም ከይጣፍኡ ይፈርሁ እዮም።
በቲ ኻልእ ሸነኽ ግና፡ ብዅነታት ዓለም ዚጭነቑ እኳ እንተ ዀኑ፡ ብሩህ መጻኢ ዘለዎም ካልኦት ሰባት እውን ኣለዉ። እዚኣቶም፡ መንግስቲ ኣምላኽ ንጸገማት ዓለም ከም እተወግዶ ይኣምኑ እዮም። (ዳንኤል 2:44፣ ራእይ 21:3, 4) ተስፋታት ኣምላኽ ክሳዕ ዚፍጸም ብትዕግስቲ እናተጸበዩ፡ “እቲ ኽሳዕ መወዳእታ ዚጻወር ግና ኪድሕን እዩ” ብዚብላ ቓላት የሱስ ይጸናንዑ እዮም።—ማቴዎስ 24:13፣ ሚክያስ 7:7።