ዓርቢ 11 መስከረም
ጐይታ ብሓቂ ተንሲኡ።—ሉቃ. 24:34።
ደቀ መዛሙርቲ የሱስ ምትብባዕ የድልዮም ነበረ። ስለምንታይ፧ ምኽንያቱ ገሊኦም ኣባይቶም፡ ገሊኦም ስድራ ቤቶም፡ ገሊኦም ከኣ ስራሖም ሓዲጎም፡ ብምሉእ ግዜኦም ንየሱስ ይስዕብዎ እዮም ነይሮም። (ማቴ. 19:27) ገሊኦም ከኣ ደቀ መዛሙርቲ የሱስ ስለ ዝዀኑ፡ ካብ ማሕበረ ሰብ ተሰጒጐም እዮም ነይሮም። (ዮሃ. 9:22) የሱስ እቲ ተስፋ እተገብረሉ መሲሕ ምዃኑ ስለ ዝኣመኑ፡ መስዋእቲ ኪኸፍሉ ፍቓደኛታት እዮም ነይሮም። (ማቴ. 16:16) የሱስ ምስ ተቐትለ ግና ተስፋኦም ጸልመተ፡ ልቦም እውን ተሰብረ። የሱስ፡ ናይ ደቀ መዛሙርቱ ጓሂ ኸም ምልክት መንፈሳዊ ድኽመት ገይሩ ኣይኰነን ርእይዎ፡ ንቡር ሓዘን ምዃኑ ተረዲእዎ ነይሩ እዩ። ስለዚ ኸኣ ኣብታ ኻብ ሞት ዝተንስኣላ መዓልቲ ኣትሒዙ ኼተባብዖም ጀመረ። ንኣብነት፡ ንማርያም መግደላዊት ኣብ ጥቓ እቲ መቓብር ኰይና ኽትበኪ ኸላ ተራእያ። (ዮሃ. 20:11, 16) ካብ ኤማሁስ እትብሃል ቍሸት ንዝመጹ ኽልተ ኻብ ደቀ መዛሙርቱ ተራእዮም። ንሃዋርያ ጴጥሮስ እውን ተራእዮ። w24.10 13 ¶5-6
ቀዳም 12 መስከረም
ብዛዕባ እታ ኣባኻትኩም ዘላ ተስፋ ምኽንያት ንዚሓትተኩም ዘበለ ምላሽ ንምሃብ ኵሉ ሳዕ እተዳሎኹም ኩኑ።—1 ጴጥ. 3:15።
ኣቱም ወለዲ ንውሉድኩም ነቲ ኣብ ፈጣሪ ዘለዎ እምነት ኪጣበቐሉ ኣዳልውዎ። ነቲ ኣብ jw.org ዚወጽእ፡ “መንእሰያት ዚሓትትዎ—ፍጥረትዶ ወይስ ፍልቀት፧” ዘርእስቱ ተኸታታሊ ዓንቀጻት ብሓባር ክትምርምርዎ ትኽእሉ ኢኹም። ድሕሪኡ፡ ውሉድኩም ምስ ሰባት ኣብ ዚዛራረበሉ እዋን፡ ብዛዕባ ህልውና ፈጣሪ ዜረጋግጽ እንታይ ዜእምን መረዳእታ ኺጥቀም ከም ዚኽእል ተመያየጡ። ገሊኦም ጽቡቕ ምይይጥ ንምግባር ፍቓደኛታት እንተ ዀይኖም፡ ቀሊል መረዳእታ ኺጥቀም ኣተባብዓዮ። ንኣብነት፡ ሓደ መማህርቱ፡ “ኣብ ዝርእዮ ነገር ጥራይ እየ ዝኣምን፣ ንኣምላኽ ከኣ ኣይረኣኽዎን” ይብሎ ይኸውን። ሽዑ፡ ሓደ መንእሰይ ክርስትያን፡ “ዋላ ሓደ ሰብ ኣብ ዘይሰፈሮ ዱር ትጐዓዝ ከም ዘለኻ ጌርካ እሞ ሕሰብ። ብወዝቢ ዒላ ትረክብ። እንታይ ኢልካ ምሓሰብካ፧ ዒላ ምርካብካ ጥራይ እኳ ኣስተውዓሊ ህያው ፍጡር ከም ዝዀዓታ ዚሕብር ካብ ኰነ፡ ህልውና ዩኒቨርስ ደኣኸ ብዝያዳ ኸምኡዶ ኣይሕብርን፧” ኢሉ ኺምልስ ይኽእል እዩ። w24.12 18 ¶16
ሰንበት 13 መስከረም
ጥበብ ኣብ ሽማግለታት ዚርከብ፡ ኣእምሮ እውን ምስ ነዊሕ ዕድመ ዚመጽእ ደይኰነን፧—እዮ. 12:12።
ኣገዳሲ ውሳነታት ንምግባር፡ ኵላትና ደገፍ የድልየና እዩ። መብዛሕትኡ ኻብዚ ደገፍ እዚ፡ ካብ ሽማግለታትን ካብ ካልኦት ብሱላት ክርስትያናትን ክንረኽቦ ንኽእል ኢና። ንሳቶም ብዕድመ ኣመና ዚዓብዩና እንተ ዀይኖም፡ ንምኽሮም ግዜ ኸም ዝሓለፎ ጌርና ተቐላጢፍና ዕሽሽ ክንብሎ የብልናን። የሆዋ ኻብ ዓበይቲ ኽንምሃር ይደልየና እዩ። ካባና ንዝነውሐ ግዜ ስለ ዝነበሩ፡ ዝያዳ ተመክሮን ኣእምሮን ጥበብን ኬጥርዩ ኽኢሎም እዮም። ብግዜ መጽሓፍ ቅዱስ፡ የሆዋ በቶም ብዕድመ ዝደፍኡ እሙናቱ ኣቢሉ ንህዝቡ ኣተባቢዕዎምን ዜድልዮም ምኽሪ ሂብዎምን እዩ። ንኣብነት፡ ሙሴን ዳዊትን ሃዋርያ ዮሃንስን ዝገበርዎ እስከ ንርአ። ንሳቶም ኣብ እተፈላለየ ግዜያትን ኣብ በበይኑ ዅነታትን እዮም ዚነብሩ ነይሮም። ኣብ ኣጋ መወዳእታ ህይወቶም ከኣ፡ ንመንእሰያት ጥበባዊ ምኽሪ ሂቦም እዮም። እዞም ብዕድመ ዝደፍኡ እሙናት፡ ንኣምላኽ እዙዝ ምዃን ዘለዎ ኣገዳስነት ኣጕሊሖም እዮም። መንእሰያት ንኹን ዓበይቲ፡ ካብ ምኽሮም ክንጥቀም ንኽእል ኢና።—ሮሜ 15:4፣ 2 ጢሞ. 3:16። w24.11 8 ¶1-2