ሰሉስ 17 ታሕሳስ
ኣምላኽ እሙን እዩ እሞ፡ ካብ ዓቕምኹም ንላዕሊ ኽትፍተኑ ኣይሓድገኩምን እዩ።—1 ቈረ. 10:13።
ዋላ ሓደ ሰብ ንጸገምካ ኸም ዘይርድኣልካ ጌርካ ኣይትሕሰብ። ከምዚ ዓይነት ኣተሓሳስባ እንተ ኣሕዲርካ፡ ኵነታትካ ተስፋ ኸም ዘይብሉን ንዘይግቡእ ትምኒት ንምቅዋም ዓቕሚ ኸም ዘይብልካን ጌርካ ኽትድምድም ትኽእል ኢኻ። መጽሓፍ ቅዱስ ነዚ ግጉይ ኣተሓሳስባ ኣይቅበሎን እዩ። እኳ ደኣስ፡ “ምጽዋሩ ምእንቲ ኽትክእሉ፡ ምስቲ ፈተና መዋጽኦ ገይሩልኩም ኣሎ” እዩ ዚብል። ስለዚ፡ ዋላ እውን እቲ ዘይግቡእ ትምኒትና ሓያል እንተ ዀነ፡ ክንቃወሞ ግና ንኽእል ኢና። ብእኡ ተደፊእና ሕማቕ ምእንቲ ኸይንገብር፡ ብሓገዝ የሆዋ ኽንጻረሮ ንኽእል ኢና። ወትሩ እዚ ነጥቢ እዚ ኽትርስዕ የብልካን፦ ዘይፍጹም ሰብ ስለ ዝዀንካ፡ ዘይግቡእ ትምኒታት ከይመጸካ ኽትዓግቶ ኣይትኽእልን ትኸውን። ምስ መጸ ግና፡ ከምቲ ዮሴፍ ካብ ሰበይቲ ጶጢፋር ብቕልጡፍ ብምህዳም ዝገበሮ፡ ብቘራጽነት ክትነጽጎ ትኽእል ኢኻ። (ዘፍ. 39:12) ብዘይግቡእ ትምኒታት ተደፊእካ ሕማቕ ክትገብር ግዴታ የብልካን። w23.01 12-13 ¶16-17
ረቡዕ 18 ታሕሳስ
ኣብ ኣምላኽሲ ኣድልዎ የልቦን።—ሮሜ 2:11።
ፍትሒ ባህርያት የሆዋ እያ። (ዘዳ. 32:4) ፍትሒ፡ ኣድልዎ ምስ ዘይምግባር ብቐረባ ትተኣሳሰር እያ። የሆዋ ድማ ኣየዳሉን እዩ። (ግብ. 10:34, 35) ኣብቲ ንመጽሓፍ ቅዱስ ዘጽሓፈሉ ቛንቋታት ኣድልዎ ኸም ዘይብሉ ተራእዩ እዩ። የሆዋ ኣብ ግዜ መወዳእታ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ “ናይ ሓቂ ፍልጠት” ከም ዚበዝሕ ኣተስፍዩ ነይሩ እዩ። ብዙሓት ንቓሉ ኸም ዚርድእዎ ቓል ኣትዩ ነይሩ እዩ። (ዳን. 12:4) ሓደ ኻብቲ እዚ ፍልጠት እዚ ዝበዝሓሉ መገዲ፡ መጽሓፍ ቅዱስን መጽሓፍ ቅዱሳዊ ጽሑፋትን ኪትርጐምን ኪሕተምን ኪዝርጋሕን ስለ እተኻእለ እዩ። ህዝቢ የሆዋ ኽሳዕ ሕጂ ንቓል ኣምላኽ ብምሉእ ወይ ብኸፊል ብልዕሊ 240 ቋንቋ ተርጒሞምዎ ኣለዉ። ዝዀነ ሰብ ከኣ ብናጻ ቕዳሕ እዚ ትርጉም ኪረክብ ይኽእል እዩ። በዚ ኸምዚ፡ መወዳእታ ቕድሚ ምምጻኡ፡ “ብስራት መንግስቲ” ንዅሎም ኣህዛብ ይምስከረሎም ኣሎ። (ማቴ. 24:14) እቲ ፍትሓዊ ዝዀነ ኣምላኽና ብእተኻእለ መጠን ንብዙሓት ሰባት፡ ቃሉ ብምንባብ ኪፈልጥዎ ኣጋጣሚ ኸፊቱሎም ኣሎ። ንዅላትና ብዙሕ ስለ ዜፍቅረና፡ እዚ ኣጋጣሚ ኸፊቱልና ኣሎ። w23.02 5 ¶11-12
ሓሙስ 19 ታሕሳስ
ንኣእምሮኹም ብምሕዳስ ተለወጡ እምበር፡ ደጊም በዚ ስርዓት እዚ ኣይትቀረጹ።—ሮሜ 12:2።
ጽድቂ ትፈቱዶ፧ ከም እትፈቱ መሸም ኣየጠራጥርን እዩ። ኵላትና ግና ዘይፍጹማት ኢና፣ እንተ ዘይተጠንቂቕና ኸኣ እቲ ዓለም ብዛዕባ ጽድቂ ዘለዋ ኣረኣእያ ብቐሊሉ ኺጸልወና ይኽእል እዩ። (ኢሳ. 5:20) ብዙሓት ሰባት ንሓደ ብርእሱ ዚምካሕ፡ ንኻልኦት ዚፈርድ፡ ወይ ተመጻዳቒ ሰብ እዮም ጻድቕ ኢሎም ዚሓስብዎ። ኣምላኽ ግና ነዚ ባህርያት እዚ ፈጺሙ ኣይፈትዎን እዩ። የሱስ ኣብ ምድሪ ኣብ ዝነበረሉ እዋን ነቶም ብግዜኡ ዝነበሩ መራሕቲ ሃይማኖት፡ ናይ ርእሶም መለክዒታት ጽድቂ ብምግባሮም ኣትሪሩ ነቒፍዎም እዩ። (መክ. 7:16፣ ሉቃ. 16:15) ናይ ሓቂ ጽድቂ ምስ ምምጽዳቕ ፈጺሙ ኣይተሓሓዝን እዩ። ጽድቂ ጽቡቕ ባህርይ እዩ። እታ ጽድቂ እትብል ቃል ኣብ ቅድሚ ኣዒንቲ የሆዋ ኣምላኽ ቅኑዕ ምግባር ዚብል ትርጉም እዩ ዘለዋ። ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እታ “ጽድቂ” እትብል ቃል በቲ ኻብ ኵሉ ዝለዓለ መለክዒታት፡ ማለት ብመለክዒታት የሆዋ ምምልላስ ዚብል ሓሳብ ተመሓላልፍ። w22.08 27 ¶3-5