ታሕሳስ
ሰንበት 1 ታሕሳስ
ከይጥመቕከ እንታይ ይኽልክለኒ፧—ግብ. 8:36።
እቲ ኢትዮጵያዊ ኣገልጋሊ ቤተ መንግስቲ፡ ንኺጥመቕ ብሓቂዶ ተዳልዩ ነይሩ እዩ፧ እቲ ኢትዮጵያዊ ‘ኼምልኽ ናብ የሩሳሌም ከይዱ ኸም ዝነበረ’ ኣስተብህል። (ግብ. 8:27) ስለዚ፡ እምነቱ ናብ ኣይሁድነት ዝቐየረ ጵሮሴሊት እዩ ነይሩ ኪኸውን ዘለዎ። ካብ ቅዱሳት ጽሑፋት እብራይስጢ ኸኣ፡ ብዛዕባ የሆዋ ተማሂሩ ነይሩ ኪኸውን ኣለዎ። ኰይኑ ግና፡ ብዝያዳ ኺምሃር ተሃንጥዩ ነበረ። ስለምንታይሲ፡ ፊልጶስ ኣብ መገዲ ኺረኽቦ ኸሎ ትንቢት ኢሳይያስ እዩ ኼንብብ ጸኒሕዎ። (ግብ. 8:28) ንሱ ብቐጻሊ ኺምሃር ይደሊ ነይሩ እዩ። ኣብ የሩሳሌም ኣብ እትርከብ ቤተ መቕደስ ንምምላኽ፡ ካብ ኢትዮጵያ ነዊሕ ጕዕዞ ገበረ። እቲ ኢትዮጵያዊ ኻብ ፊልጶስ፡ መንነት እቲ መሲሕን ካልእ ኣገዳሲ ሓቅታትን ተማህረ። (ግብ. 8:34, 35) ንየሆዋን ንወዱን ዘለዎ ፍቕሪ ዓበየ። ሰዓቢ የሱስ ክርስቶስ ኰይኑ ኺጥመቕ ብምውሳን ከኣ፡ ኣብ ህይወቱ ዓብዪ ለውጢ ገበረ። ፊልጶስ ድማ፡ እዚ ሰብኣይ እዚ ድሉው ምዃኑ ስለ ዝረኣየ ኣጥመቖ። w23.03 8-9 ¶3-6
ሰኑይ 2 ታሕሳስ
ዘረባኹም . . . ኵሉ ሳዕ ጥዑም ይኹን።—ቈሎ. 4:6።
ሓቂ ዘይንዛረብ እንተ ዄንና፡ ንየሆዋ ባህ ከነብሎ ኣይንኽእልን ኢና። (ምሳ. 6:16, 17) ብዙሓት ሰባት ሎሚ ንሓሶት ከም ንቡር ክፍሊ ዘረባ ገይሮም ዚርእይዎ እኳ እንተ ዀኑ፡ ንሕና ግና ኣረኣእያ የሆዋ ኢና እንስዕብ። (መዝ. 15:1, 2) መሸም ውጹእ ሓሶት ኣይንዛረብን ኢና፣ ብዘይካዚ ግና፡ ንሰባት ናብ ግጉይ መደምደምታ ኸም ዚበጽሑ እውን ኣይንገብርን ኢና። ጐዳኢ ወረ ኽንነዝሕ እውን የብልናን። (ምሳ. 25:23፣ 2 ተሰ. 3:11) ሓደ ዕላል ናብ ሕማቕ ወረ ይቕየር ከም ዘሎ እንተ ኣስተብሂልካ፡ ኣንፈቱ ቐይሮ። ሕማቕ ዘረባ ኣብ ዘስፋሕፍሓላ ዓለም ስለ እንነብር፡ ዘረባና ንየሆዋ ባህ ዜብሎ ምእንቲ ኪኸውን ክንጽዕር ኣሎና። ነቲ ንዘረባና ኣብ ኣገልግሎትን ኣብ ኣኼባታትን ኣብ መዓልታዊ ዝርርባትናን ብኣወንታዊ መገዲ ንምጥቃም እንገብሮ ልባዊ ጻዕርታት ይባርኾ እዩ። ጽልዋ እዚ ፍርሃት ኣምላኽ ዘይብሉ ስርዓት ምስ ኣብቅዐ፡ ንየሆዋ ብዘረባና ምኽባር ዝቐለለ ኪዀነልና እዩ።—ይሁ. 15። w22.04 9 ¶18-20
ሰሉስ 3 ታሕሳስ
ንሱ ቕድም ኣፍቂሩና እዩ እሞ፡ ንሕና እውን ነፍቅር ኢና።—1 ዮሃ. 4:19።
የሆዋን የሱስን ክሳዕ ክንደይ ከም ዜፍቅሩና ኽንሓስብ ከለና፡ ከም ምላሹ ኸነፍቅሮም ኢና እንድረኽ። (1 ዮሃ. 4:10) የሱስ ንዓና ብደረጃ ውልቀ ሰብ ከም ዝሞተልና ኸነስተውዕል ከለና ኸኣ፡ ብዝያዳ ኢና እነፍቅሮም። ሃዋርያ ጳውሎስ ነዚ ይፈልጥ ስለ ዝነበረ፡ ናብ ሰብ ገላትያ ኣብ ዝጸሓፎ መልእኽቲ፡ “በቲ ዘፍቀረንን ምእንታይ ርእሱ ዘሕለፈን ወዲ ኣምላኽ ብምእማን እየ ዝነብሮ ዘለኹ” ብምባል ሞሳኡ ገሊጹ ኣሎ። (ገላ. 2:20) ስለዚ፡ ብመሰረት እቲ እተኸፍለ በጃ፡ የሆዋ ዓርኩ ኽትከውን ኢሉ ናብኡ ስሒቡካ ኣሎ። (ዮሃ. 6:44) የሆዋ ኣባኻ ሓደ ጽቡቕ ነገር ብምርኣዩ ዓርኩ ኽትከውን ኢሉ ዝለዓለ ዋጋ ምኽፋሉስ ኣየሐጕሰካንዶ፧ እዚኸ ነታ ንየሆዋን ንየሱስን ዘላትና ፍቕሪ ኣየሐይላንዶ፧ እምበኣር፡ ንርእስና፡ ‘እታ ፍቕሪ እቲኣ እንታይ ክገብር እያ እትድርኸኒ፧’ ኢልና ኽንሓትት ኣሎና። ንኣምላኽን ንክርስቶስን ዘላትና ፍቕሪ፡ ንሰባት ፍቕሪ ኸነርኢ እያ እትድርኸና።—2 ቈረ. 5:14, 15፣ 6:1, 2። w23.01 28 ¶6-7
ረቡዕ 4 ታሕሳስ
ንቛንቋ ህዝብታት ናብ ጽሩይ ቋንቋ ኽልውጦ እየ።—ጸፎ. 3:9።
መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ዕላማ የሆዋ ኣገዳሲ ግደ ኣለዎ። የሆዋ ንህዝቡ ብሓድነት ከም ዜገልግልዎ ንምግባር፡ መጽሓፍ ቅዱስ እዩ ዚጥቀም። የሆዋ ንሓያሎ ኽፋላት ቅዱሳት ጽሑፋት፡ ትሑታት ኣንበብቲ ጥራይ ከም ዚርድእዎ ገይሩ እዩ ኣጽሒፍዎ። (ሉቃ. 10:21) ኣብ ፈቐዶኡ ዚርከቡ ሰባት ንመጽሓፍ ቅዱስ የንብብዎ እዮም። ይኹን እምበር፡ ብሓቂ ትሑታት ጥራይ እዮም ኪርድእዎን ኣብ ተግባር ኬውዕልዎን ዚኽእሉ። (2 ቈረ. 3:15, 16) ብኻልእ መገዲ እውን ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ጥበብ የሆዋ ኺንጸባረቕ ንርኢ ኢና። የሆዋ ብቕዱሳት ጽሑፋት ገይሩ ብደረጃ ጕጅለ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ብደረጃ ውልቀ ሰብ እውን ይምህረናን የጸናንዓናን እዩ። ቃል ኣምላኽ ከነንብብ ከለና፡ ነቲ የሆዋ ንዓና ብብሕቲ ዘለዎ ተገዳስነት ክንርኢ ንኽእል ኢና። (ኢሳ. 30:21) ብዙሕ ግዜ ገጽና ናብ ቅዱሳት ጽሑፋት ንመልስ፡ ኣብኡ እውን ንዓና ብብሕቲ እተጻሕፈ ዚመስለና ጥቕስታት ነንብብ ኢና። ይኹን እምበር፡ መጽሓፍ ቅዱስ ሚልዮናት ሰባት ከም ዚርድእዎ ጌርካ እዩ ተጻሒፉ። እሞ ደኣ ኸመይ ገይሩ እዩ ንዓኻ ብብሕቲ ዜድልየካ እዋናዊ ሓበሬታ ኺሕዝ ዚኽእል፧ ከምኡ ኪኸውን ዝኸኣለ ኻብ ኵሉ ንላዕሊ ጥበበኛ ዝዀነ ደራሲ ስለ ዘጽሓፎ እዩ።—2 ጢሞ. 3:16, 17። w23.02 4-5 ¶8-10
ሓሙስ 5 ታሕሳስ
ብዛዕባ እዚ ኣጸቢቕካ ሕሰብ፣ ዕቤትካ ንዅሉ ርኡይ ምእንቲ ኪኸውንሲ፡ ነዚ ነገር እዚ ዅለንትናኻ ወፊ።—1 ጢሞ. 4:15።
ናይ ሓቂ ክርስትያናት ስለ ዝዀንና፡ ንየሆዋ ኣጸቢቕና ኢና እነፍቅሮ። እቲ ንዕኡ እነቕርቦ ኣገልግሎት ብሉጽ ኪኸውን ኢና እንደሊ። ብምሉእ ዓቕምና ኸነገልግሎ እንተ ዄንና ግና፡ መንፈሳዊ ሸቶታት ከነውጽእ ኣሎና፣ ማለት ክርስትያናዊ ባህርያት ክንኵስኵስ፡ ጠቓሚ ኽእለታት ከነማዕብል፡ ንኻልኦት እንሕግዘሉ መገድታት እውን ከነናዲ ኣሎና። መንፈሳዊ ዕቤት ክንገብር እንደሊ ስለምንታይ ኢና፧ ብቐዳምነት፡ ነቲ ፈቃር ሰማያዊ ኣቦና ባህ ከነብሎ ስለ እንደሊ እዩ። የሆዋ ንተውህቦናን ንኽእለትናን ኣብ ኣገልግሎቱ ምሉእ ብምሉእ ክንጥቀመሉ ኺርኢ ኸሎ ይሕጐስ እዩ። ብተወሳኺ ድማ፡ ንኣሕዋትናን ንኣሓትናን ብዝያዳ ኽንሕግዞም ኢልና መንፈሳዊ ዕቤት ክንገብር ንደሊ ኢና። (1 ተሰ. 4:9, 10) ኣብ ሓቂ ዝጸናሕናሉ ንውሓት ግዜ ብዘየገድስ መንፈሳዊ ዕቤት ክንገብር ንኽእል ኢና። w22.04 22 ¶1-2
ዓርቢ 6 ታሕሳስ
ንስጋኣ ኺበልዑን ብሓዊ ኺህምኽዋን እዮም።—ራእ. 17:16።
ፖለቲካዊ ባእታታት እዛ ዓለም ንዓባይ ባቢሎን፡ ማለት ንናይ ዓለም ሃጸያዊት ግዝኣት ናይ ሓሶት ሃይማኖት ኪግልበጥዋ እዮም። እዚ ስጕምቲ እዚ ኸኣ መጀመርታ ብርቱዕ ጸበባ ኪኸውን እዩ። እሞኸ ነዚ ምስ ረኣዩስ፡ ብዙሓት ሓደስቲ ሰባት ናብ ኣምልኾ የሆዋ ኺውሕዙ ድዮም፧ ኣይፋልን። ብኣንጻሩ እኳ ደኣስ ኣብ ራእይ ምዕራፍ 6 ተገሊጹ ኸም ዘሎ፡ ኣብቲ ወሳኒ እዋን እቲ፡ እቶም ንየሆዋ ዘየገልግሉ ሰባት ካብቲ ብኣኽራን ተመሲሉ ዘሎ ፖለቲካውን ንግዳውን ስርዓታት እዛ ዓለም ዕቝባ ኺደልዩ እዮም። ኣብ ጐድኒ መንግስቲ ኣምላኽ ስለ ዘይቈሙ ኸኣ፡ የሆዋ ኸም ተጻረርቲ ገይሩ ኺርእዮም እዩ። (ሉቃ. 11:23፣ ራእ. 6:15-17) ኣብቲ ጽንኩር እዋን ጸበባ፡ እሙናት ኣገልገልቲ የሆዋ በይኖም ተፈልዮም ኪቘሙ እዮም። ኣብ ምድሪ ንየሆዋ ኣምላኽ ዜገልግሉን ነቲ “ኣራዊት” ደገፍ ምሃብ ዚኣብዩን ጕጅለ ሰባት፡ ንሳቶም ጥራይ ኪዀኑ እዮም።—ራእ. 13:14-17። w22.05 16-17 ¶8-9
ቀዳም 7 ታሕሳስ
ነቶም ኣብ ምድሪ ዚነብሩን ንዅሎም ኣህዛብን ነገዳትን ቋንቋታትን ህዝብታትን [ዜበስሮም] ናይ ዘለኣለም ብስራት ዘለዎ መልኣኽ።—ራእ. 14:6።
ህዝቢ ኣምላኽ፡ “ብስራት መንግስቲ” ኣምላኽ ጥራይ ኣይኰኑን ዚእውጁ። (ማቴ. 24:14) ነቲ እቶም ኣብ ራእይ ምዕራፍ 8 ኽሳዕ 10 እተጠቕሱ መላእኽቲ ዚዓይይዎ ዕዮ እውን ኪድግፉ ኣለዎም። እቶም መላእኽቲ እቲኦም ኣብ ልዕሊ እቶም ንመንግስቲ ኣምላኽ ዘይቅበሉ ዘበሉ ብተኸታታሊ ወዮታት እዮም ዚእውጁ። ስለዚ፡ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ብ“በረድን ሓውን” እተመሰለ ናይ ፍርዲ መልእኽትታት እውን ይእውጁ እዮም፣ በዚ ኸምዚ፡ ኣብ ልዕሊ እተፈላለየ ባእታታት እዛ እክይቲ ናይ ሰይጣን ዓለም ዚወርድ ፍርድታት ኣምላኽ ይገልጹ እዮም። (ራእ. 8:7, 13) ሰባት ኣብ ህይወቶም ዓበይቲ ለውጥታት ገይሮም ካብ መዓልቲ ቝጥዓ የሆዋ ምእንቲ ኺድሕኑ፡ መወዳእታ ኸም ዝቐረበ ኺፈልጡ ኣለዎም። (ጸፎ. 2:2, 3) እዚ መልእኽቲ እዚ ግና ብብዙሓት ዚፍቶ ኣይኰነን። ነዚ መልእኽቲ እዚ ምእንቲ ኽንእውጅ፡ ትብዓት የድልየና እዩ። ኣብቲ ብርቱዕ ጸበባ ኸኣ፡ እቲ ናይ መወዳእታ ናይ ፍርዲ መልእኽቲ ብዝያዳ ተሪር ኪኸውን እዩ።—ራእ. 16:21። w22.05 7 ¶18-19
ሰንበት 8 ታሕሳስ
ንየሆዋ ኣምላኽካ ብምሉእ ልብኻን ብምሉእ ነፍስኻን ብምሉእ ኣእምሮኻን ኣፍቅሮ።—ማቴ. 22:37።
ክርስትያን ሰብ ሓዳር ምስ ወለዱ እንታይ ከም ዜጋጥሞም እስከ ንርአ። ቅድሚኡ ብዛዕባ ኣተዓባብያ ቘልዑ ብዙሕ መደረታት ሰሚዖም ይዀኑ እዮም። ወለዲ ምስ ኰኑ ግና እቲ ስርዓታት እቲ ሓድሽ ትርጉም እዩ ዚህልዎ። ስለምንታይሲ፡ ናቶም ውላድ እዮም ኬዕብዩ ዚጅምሩ። እዚ ብሓቂ ዓብዪ ሓላፍነት እዩ። እወ፡ ሓድሽ ኵነታት ነቲ ኣጸቢቕና እንፈልጦ ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ዘሎና ኣረኣእያ ይልውጦ እዩ። ሓደ ኻብቲ ኣምለኽቲ የሆዋ ቕዱሳት ጽሑፋት ዜንብቡሉ ምኽንያት ከኣ እዚ እዩ። ከምቲ ንነገስታት እስራኤል እተነግሮም ድማ “ኵሉ መዓልትታት” ህይወቶም የስተንትኑሉ እዮም። (ዘዳ. 17:19) ኣቱም ወለዲ፡ ሓደ ኻብቲ ንክርስትያናት ዚውሃብ ካብ ኵሉ ዝዓበየ ፍሉይ መሰል እዩ ዘሎኩም። እዚ ድማ ንደቅኹም ብዛዕባ የሆዋ ናይ ምምሃር ሓላፍነት እዩ። ኰይኑ ግና፡ ብዛዕባ ኣምላኽ ሓበሬታ ኻብ ምክፋል ንላዕሊ ኽትገብሩ ኣሎኩም። እወ፡ ደቅኹም ንኣምላኽ ኣጸቢቖም ምእንቲ ኼፍቅርዎ ኽትሕግዝዎም ኣሎኩም። w22.05 26 ¶2-3
ሰኑይ 9 ታሕሳስ
ሓድሽ ስብእና ልበሱ።—ቈሎ. 3:10።
በቲ ዝፈጸምናዮ ሓጢኣት ምጕሃይ ጥራይ እኹል ኣይኰነን። ስጕምቲ ንምውሳድ እውን ድሉዋት ክንከውን ኣሎና። የሆዋ ይቕረ ንኺብል ኣብ ግምት ዜእትዎ ኣገዳሲ ረቛሒ፡ ለውጢ እዩ። ለውጢ ኺብሃል ከሎ፡ መገድኻ ቐዪርካ ምምላስ ማለት እዩ። ብኻልእ ኣበሃህላ፡ ሓደ ሰብ ነቲ ኽፉእ መገዱ ሓዲጉ፡ መገዲ የሆዋ ብምስዓብ ኣካይዳኡ ኪቕይር ኣለዎ። (ኢሳ. 55:7) እቲ ሰብ ብኣተሓሳስባ የሆዋ ምእንቲ ኺምራሕ፡ ኣተሓሳስባኡ ኺልውጥ ኣለዎ። (ሮሜ 12:2፣ ኤፌ. 4:23) ነቲ ዝቐደመ ኽፉእ ኣተሓሳስባኡን ተግባራቱን ንምሕዳግ ቈራጽነት ኪገብር ኣለዎ። (ቈሎ. 3:7-9) ልክዕ እዩ፡ ኣብ መስዋእቲ ክርስቶስ ዘሎና እምነት እዩ ንየሆዋ ኻብ ሓጢኣትና ይቕረ ኺብለልናን ኬንጽሃናን ናይ ሓቂ መሰረት ዚዀኖ። መገድና ንምልዋጥ ብሓቂ ንጽዕር ከም ዘሎና ምስ ረኣየ፡ ካብ ዋጋ እቲ መስዋእቲ ኽንጥቀም መገዲ ይኸፍተልና እዩ።—1 ዮሃ. 1:7። w22.06 6 ¶16-17
ሰሉስ 10 ታሕሳስ
ነቲ ዚመጸካ መከራ ኣይትፍርሃዮ።—ራእ. 2:10።
ሰባት ንሓድሕዶም ናይ ምጕድዳእ ሕማቕ ታሪኽ እዩ ዘለዎም። (መክ. 8:9) ንኣብነት፡ ገሊኦም ሰባት ንስልጣኖም ብዘይግቡእ ይጥቀሙሉ፡ ገበነኛታት ዘበሉ ሕማቕ ተግባር ይገብሩ፡ ኣብ ቤት ትምህርቲ ዚርከቡ ደንደንቲ ንደቂ ኽፍሎም ይጸርፉን የፈራርሁን፡ ገሊኦም ሰባት ከኣ ሕሉፍ ሓሊፎም ኣብ ልዕሊ ኣባላት ስድራ ቤቶም ናይ ጭካነ ተግባር ይፍጽሙ እዮም። ስለዚ፡ ሰብ ንሰብ ኪፈርሆ ሓቁ እዩ! እሞ ደኣ ሰይጣን ነቲ ንሰብ ዘሎና ፍርሂ ብኸመይ እዩ ኺምዝምዞ ዚፍትን፧ ሰይጣን ብፍርሂ ሰብ ተጠቒሙ ኻብ እምነትና ኸም እንለማለምን ስብከትና ኸም እንሓድግን ኪገብረና ይጽዕር እዩ። መንግስትታት ከኣ ኣብ ትሕቲ ጽልዋ ሰይጣን ኰይኖም ንዕዮና ኣጊዶምዎ፡ መስጐጕቲ እውን ኣውሪዶምልና እዮም። (ሉቃ. 21:12) ብዘይካዚ፡ እተፈላለዩ ባእታታት ናይ ሰይጣን ዓለም ብዛዕባ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዜታልል ወረን ሓሶትን ይነዝሑ እዮም። ነዚ ሓሶት እዚ ዚኣምኑ ሰባት ድማ የላግጹልና ወይ እውን ይወቕዑና ይዀኑ። (ማቴ. 10:36) እዚ ስልትታት ሰይጣን ግና ፈጺምና ዘይንጽበዮ ድዩ፧ ኣይፋልን። ኣብ ቀዳማይ ዘመን እውን ነዚ እዩ ዚጥቀም ነይሩ!—ግብ. 5:27, 28, 40። w22.06 16 ¶10-11
ረቡዕ 11 ታሕሳስ
እቶም ንብዙሓት ናብ ጽድቂ ዜምጽኡ ኸኣ ከም ከዋኽብቲ ንዘለኣለመ ኣለም ደሚቖም ኪበርሁ እዮም።—ዳን. 12:3።
ካብቶም ናብ ጽድቂ ዚመጹ “ብዙሓት” ደኣ መን ኪህልዉ እዮም፧ እቶም ካብ ምዉታት ዚትንስኡን እቶም ንኣርማጌዶን ዚሳገሩን እቶም ኣብ ሓዳስ ዓለም ዚውለዱን ምስዚኣቶም ይጽብጸቡ እዮም። ኣብ መወዳእታ እተን 1,000 ዓመት ኣብ ምድሪ ዚነብሩ ዅላቶም ፍጹማት ኪዀኑ እዮም። ሓደ ሰብ ፍጹም ምስ ኰነ ብኡብኡ ናይ ዘለኣለም ህይወት ይረክብ ማለት ከም ዘይኰነ ኽንርስዕ የብልናን። ብዛዕባ ኣዳምን ሄዋንን እሞ ንሕሰብ። ፍጹማት እዮም ነይሮም። ኰይኑ ግና፡ ናይ ዘለኣለም ህይወት ቅድሚ ምርካቦም፡ ንየሆዋ ኣምላኽ ዘለዎም ተኣዛዝነት ኬርእዩ ነይርዎም። እቲ ዜሕዝን ከኣ፡ ኣይተኣዘዝዎን። (ሮሜ 5:12) ኵሎም እቶም ኣብ መወዳእታ እተን 1,000 ዓመት ዚነብሩ ሰባት ኣብ ፍጽምና እኳ እንተ በጽሑ፡ ኵሎም ፍጹማት ሰባት ንግዝኣት የሆዋ ንዘለኣለም ኪድግፍዎ ድዮም፧ ወይስ ገሊኦም ከምቶም ፍጹማት ክነሶም ዘይእሙናት ዝዀኑ ኣዳምን ሄዋንን እዮም ኪዀኑ፧ እዚ ሕቶታት እዚ መልሲ የድልዮ እዩ። w22.09 22-23 ¶12-14
ሓሙስ 12 ታሕሳስ
መንግስቲ ዓለም ናይ ጐይታናን ናይቲ ክርስቶሱን ኰይና እያ።—ራእ. 11:15።
ኵነታት ዓለም ክትዕዘብ ከለኻ፡ ኣወንታዊ ኣረኣእያ ምሓዝ የጸግመካዶ፧ ኣብ መንጎ ስድራ ቤት ዘሎ ርክባት ይልሕልሕ እዩ ዘሎ። ሰባት ብሓፈሻኡ ብዝያዳ ዓመጽትን ፈተውቲ ርእሶምን ተባኣስትን ይዀኑ ኣለዉ። ብዙሓት ሰባት ነቶም ኣብ ስልጣን ዘለዉ ኣይኣምንዎምን እዮም። ብኣንጻሩ ግና፡ እዚ ዅነታት እዚ ሰናይ ግዜ ኸም ዚመጽእ ኬእምነካ ይኽእል እዩ። ስለምንታይ፧ ምኽንያቱ ሰባት ልክዕ ከምቲ ብትንቢት ብዛዕባ “ዳሕሮት መዓልትታት” ተነጊሩ ዝነበረ እዮም ኰይኖም ዘለዉ። (2 ጢሞ. 3:1-5) ሓደ ቕኑዕ ሰብ፡ እዚ ትንቢት እዚ ይፍጸም ከም ዘሎ ኪኽሕድ ኣይክእልን እዩ። እዚ ድማ ክርስቶስ የሱስ ንጉስ መንግስቲ ኣምላኽ ኰይኑ ይገዝእ ከም ዘሎ ዜርኢ መርትዖ እዩ። እዚ ግና ካብቲ ብዛዕባ መንግስቲ ኣምላኽ እተነግረ ሓያሎ ትንቢታት ሓደ ጥራይ እዩ። ከምቲ እተቘራረጸ ስእሊ ኺገጣጠም ከሎ ምሉእ ስእሊ ዚህበና፡ እዚ ትንቢታት እዚ ብሓደ ኺገጣጠም ከሎ እውን ኣብ ናይ የሆዋ ሰሌዳ ግዜ ኣበይ ከም ዘለና ንጹር ስእሊ ይህበና እዩ። w22.07 2 ¶1-2
ዓርቢ 13 ታሕሳስ
ጥበብ ብግብራ እዩ ጽድቃ ዚረጋገጽ።—ማቴ. 11:19።
ኣብ እዋን ለበዳ ኮቪድ-19፡ ኣኼባታት ጉባኤ ብኸመይ ከም እንገብርን ኣብ ዕዮ ስብከት ብኸመይ ከም እንሳተፍን ንጹር መምርሒታት ተዋሂቡና እዩ። ኣብ ኣዝዩ ሓጺር እዋን ኢና ሰሙናዊ ክርስትያናዊ ኣኼባታትን ኣኼባታት ወረዳን ኣኼባታት ዞባን ብቪድዮ ኮንፈረንስ ክንገብር ጀሚርና። ዕዮ ምስክርነትና እውን ዳርጋ ምሉእ ብምሉእ ብደብዳበን ብተሌፎንን እዩ ዀይኑ። የሆዋ ነዚ ጻዕርታትና እዚ ባሪኽዎ እዩ። ብዙሓት ጨናፍር ኣብ ብዝሒ ኣስፋሕቲ ጕሉሕ ወሰኽ ከም እተገብረ ጸብጻብ ሂበን ኣለዋ። ብዙሓት እውን ኣብዚ እዋን እዚ ዜተባብዕ ተመክሮታት ረኺቦም እዮም። ገሊኦም ሰባት፡ እታ ውድብ ብዛዕባ እቲ ለበዳ ዝገበረቶ ጥንቃቐ ኸም ዘብዝሓቶ ዀይኑ ተሰሚዕዎም ኪኸውን ይኽእል እዩ። እቲ እተዋህበና መምርሒ ግና ጽቡቕ መሰረት ዘለዎ ምዃኑ ብተደጋጋሚ ተራእዩ እዩ። ነቲ የሱስ ንህዝቡ ዚመርሓሉ ፍቕራዊ መገዲ ኸነስተንትነሉ ኸለና፡ ጽባሕ ዝመጸ ይምጻእ ብዘየገድስ፡ የሆዋን እቲ ፍቑር ወዱን ምሳና ምዃኖም ርግጸኛታት ክንከውን ንኽእል ኢና።—እብ. 13:5, 6። w22.07 13 ¶15-16
ቀዳም 14 ታሕሳስ
ከየቋረጽኩም ጸልዩ። ብዅሉ ኣመስግኑ። ኣምላኽ ብክርስቶስ የሱስ ብዛዕባኹም ዘለዎ ፍቓድ እዚ እዩ።—1 ተሰ. 5:17, 18።
ኣብ ርእሲ እቲ ብጸሎት ኣቢልና ንየሆዋ እነቕርበሉ ውዳሰ፡ ስለቲ ዝሃበና ነገራት እውን ከነመስግኖ ንድረኽ ኢና። ንኣብነት፡ ስለቲ ኣብ ዕምባባታት እንርእዮ ውቁብ ሕብርታት፡ ስለቲ መወዳእታ ዘይብሉ እተፈላለየ ዓይነት ጥዑም ምግቢ፡ ከምኡ እውን ስለቲ ምስ ፍቑራት ኣዕሩኽና ዘሎና ባህ ዜብል ምሕዝነት ከነመስግኖ ንኽእል ኢና። እቲ ፍቑር ኣቦና ምእንቲ ኽንሕጐስ ኢሉ እዝን ካልእ ብዙሕ ነገራትን ይህበና እዩ። (መዝ. 104:12-15, 24) ልዕሊ ዅሉ ኸኣ፡ ስለቲ ኣኺሉ ዚተርፍ መንፈሳዊ ምግብን ስለቲ ብዛዕባ መጻኢ ዘሎና ዜደንቕ ተስፋን ንየሆዋ ነመስግኖ ኢና። የሆዋ እዚ ዅሉ ገይሩልና ኼብቅዕ፡ ንዕኡ ምምስጋን ግና ክንርስዕ ንኽእል ኢና። እሞ ደኣ ነዚ ንምዝካር እንታይ ኪሕግዘካ ይኽእል፧ ነቲ ዘቕረብካዮ ልማኖታት ብዝርዝር ክትምዝግቦ እሞ ኻብዚ የሆዋ ኣየናይ ኸም ዝመለሰልካ ኽትርኢ ትኽእል ኢኻ። ድሕሪኡ ስለቲ ዝገበረልካ ሓገዝ፡ ብጸሎት ኣመስግኖ።—1 ተሰ. 5:17, 18። w22.07 22 ¶8-9
ሰንበት 15 ታሕሳስ
ንሱ ብሕጊ የሆዋ ደኣ ይድሰት፣ ነቲ ሕጉ እውን መዓልትን ለይትን ብትሕቲ መልሓሱ የንብቦ።—መዝ. 1:2።
ብዛዕባ ሓቂ ምጽናዕ ጥራይ እኹል ኣይኰነን። ምሉእ ብምሉእ ክንጥቀም እንተ ዄንና በታ ሓቂ ኽንመላለስ፡ ማለት ነቲ እተምሃርናዮ ኣብ ህይወትና ኽንትግብሮ ኣሎና። ከምኡ እንተ ጌርና ጥራይ ኢና ኻብ ሓቂ ሓጐስ ክንረክብ እንኽእል። (ያእ. 1:25) እሞ ደኣ በታ ሓቂ ንመላለስ ከም ዘለና ኸመይ ጌርና ኸነረጋግጽ ንኽእል፧ ሓደ ሓው፡ ጽቡቕ ጐድንናን ምምሕያሽ ዜድልዮ ጐድንናን ንምፍላጥ ገዛእ ርእስና ኽንምርምር ከም ዘሎና ሓሳብ ሂቡ ኣሎ። ሃዋርያ ጳውሎስ ድማ ነዚ ሓሳብ እዚ ኸምዚ ዚስዕብ ኢሉ ገሊጽዎ ኣሎ፦ “በቲ በጺሕናዮ ዘለና መጠን፡ ብሓደ መገዲ ብስርዓት ንመላለስ።” (ፊል. 3:16) ብዛዕባ እቲ ‘በታ ሓቂ ንምምልላስ’ ዚከኣለና ብምግባር እንረኽቦ ጥቕምታት እሞ ንሕሰብ! ህይወትና ኣብ ርእሲ ምምሕያሹ፡ ንየሆዋን ንክርስትያናት ብጾትናን ነሐጕሶም ኢና። (ምሳ. 27:11፣ 3 ዮሃ. 4) እሞ ደኣ ንሓቂ ንምፍታውን በታ ሓቂ ንምምልላስን ካብዚ ዚዓቢ እንታይ ምኽንያት ኣሎ፧ w22.08 18-19 ¶16-18
ሰኑይ 16 ታሕሳስ
ነቲ . . . መጓሰ ኣምላኽ . . . ጓስይዎ።—1 ጴጥ. 5:2።
ሽማግለታት ንየሆዋን ንየሱስን ከም ዜፍቅርዎም ብኸመይ ኬርእዩ ይኽእሉ፧ ሓደ ኣገዳሲ መገዲ፡ ንኣባጊዕ የሱስ ብምክንኻን እዩ። (1 ጴጥ. 5:1, 2) የሱስ ነዚ ነጥቢ እዚ ንሃዋርያ ጴጥሮስ ንጹር ገይሩሉ እዩ። ጴጥሮስ ንየሱስ ሰለስተ ሳዕ ድሕሪ ምኽሓዱ፡ ንዕኡ ዘለዎ ፍቕሪ ንምርኣይ ተሃንጥዩ ነይሩ ኪኸውን ኣለዎ። የሱስ ምስ ተንስአ፡ ንጴጥሮስ፡ “ስምኦን ወዲ ዮሃንስ፡ ተፍቅረኒ ዲኻ፧” ኢሉ ሓተቶ። ጴጥሮስ ነቲ ንጐይታኡ ዘለዎ ፍቕሪ ንምርግጋጽ ዚከኣሎ ዅሉ ንምግባር ድሉው ከም ዝነበረ ርግጸኛታት ክንከውን ንኽእል ኢና። ዝዀነ ዀይኑ፡ የሱስ ንጴጥሮስ፡ “ኣባጊዐይ ጓሲ” በሎ። (ዮሃ. 21:15-17) ጴጥሮስ ከኣ ኣብ ዝተረፈ ህይወቱ ንኣባጊዕ ጐይታኡ ተኸናኸነ፣ በዚ ኸምዚ ኸኣ፡ ንየሱስ ዘለዎ ፍቕሪ ኣርኣየ። ኣቱም ሽማግለታት፡ ነዚ የሱስ ንጴጥሮስ እተዛረቦ ቓላት ኣገዳሲ ጌርኩም ከም እትርእይዎ ኸመይ ጌርኩም ከተርእዩ ትኽእሉ፧ ኣብ ዕዮ ጕስነት ብስሩዕ ብምስታፍን ንዘይንጡፋት ናብ የሆዋ ንምምላስ ፍሉይ ጻዕሪ ብምግባርን፡ ንየሆዋን ንየሱስን ዘላትኩም ፍቕሪ ኸተርእዩ ትኽእሉ ኢኹም።—ህዝ. 34:11, 12። w23.01 29 ¶10-11
ሰሉስ 17 ታሕሳስ
ኣምላኽ እሙን እዩ እሞ፡ ካብ ዓቕምኹም ንላዕሊ ኽትፍተኑ ኣይሓድገኩምን እዩ።—1 ቈረ. 10:13።
ዋላ ሓደ ሰብ ንጸገምካ ኸም ዘይርድኣልካ ጌርካ ኣይትሕሰብ። ከምዚ ዓይነት ኣተሓሳስባ እንተ ኣሕዲርካ፡ ኵነታትካ ተስፋ ኸም ዘይብሉን ንዘይግቡእ ትምኒት ንምቅዋም ዓቕሚ ኸም ዘይብልካን ጌርካ ኽትድምድም ትኽእል ኢኻ። መጽሓፍ ቅዱስ ነዚ ግጉይ ኣተሓሳስባ ኣይቅበሎን እዩ። እኳ ደኣስ፡ “ምጽዋሩ ምእንቲ ኽትክእሉ፡ ምስቲ ፈተና መዋጽኦ ገይሩልኩም ኣሎ” እዩ ዚብል። ስለዚ፡ ዋላ እውን እቲ ዘይግቡእ ትምኒትና ሓያል እንተ ዀነ፡ ክንቃወሞ ግና ንኽእል ኢና። ብእኡ ተደፊእና ሕማቕ ምእንቲ ኸይንገብር፡ ብሓገዝ የሆዋ ኽንጻረሮ ንኽእል ኢና። ወትሩ እዚ ነጥቢ እዚ ኽትርስዕ የብልካን፦ ዘይፍጹም ሰብ ስለ ዝዀንካ፡ ዘይግቡእ ትምኒታት ከይመጸካ ኽትዓግቶ ኣይትኽእልን ትኸውን። ምስ መጸ ግና፡ ከምቲ ዮሴፍ ካብ ሰበይቲ ጶጢፋር ብቕልጡፍ ብምህዳም ዝገበሮ፡ ብቘራጽነት ክትነጽጎ ትኽእል ኢኻ። (ዘፍ. 39:12) ብዘይግቡእ ትምኒታት ተደፊእካ ሕማቕ ክትገብር ግዴታ የብልካን። w23.01 12-13 ¶16-17
ረቡዕ 18 ታሕሳስ
ኣብ ኣምላኽሲ ኣድልዎ የልቦን።—ሮሜ 2:11።
ፍትሒ ባህርያት የሆዋ እያ። (ዘዳ. 32:4) ፍትሒ፡ ኣድልዎ ምስ ዘይምግባር ብቐረባ ትተኣሳሰር እያ። የሆዋ ድማ ኣየዳሉን እዩ። (ግብ. 10:34, 35) ኣብቲ ንመጽሓፍ ቅዱስ ዘጽሓፈሉ ቛንቋታት ኣድልዎ ኸም ዘይብሉ ተራእዩ እዩ። የሆዋ ኣብ ግዜ መወዳእታ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ “ናይ ሓቂ ፍልጠት” ከም ዚበዝሕ ኣተስፍዩ ነይሩ እዩ። ብዙሓት ንቓሉ ኸም ዚርድእዎ ቓል ኣትዩ ነይሩ እዩ። (ዳን. 12:4) ሓደ ኻብቲ እዚ ፍልጠት እዚ ዝበዝሓሉ መገዲ፡ መጽሓፍ ቅዱስን መጽሓፍ ቅዱሳዊ ጽሑፋትን ኪትርጐምን ኪሕተምን ኪዝርጋሕን ስለ እተኻእለ እዩ። ህዝቢ የሆዋ ኽሳዕ ሕጂ ንቓል ኣምላኽ ብምሉእ ወይ ብኸፊል ብልዕሊ 240 ቋንቋ ተርጒሞምዎ ኣለዉ። ዝዀነ ሰብ ከኣ ብናጻ ቕዳሕ እዚ ትርጉም ኪረክብ ይኽእል እዩ። በዚ ኸምዚ፡ መወዳእታ ቕድሚ ምምጻኡ፡ “ብስራት መንግስቲ” ንዅሎም ኣህዛብ ይምስከረሎም ኣሎ። (ማቴ. 24:14) እቲ ፍትሓዊ ዝዀነ ኣምላኽና ብእተኻእለ መጠን ንብዙሓት ሰባት፡ ቃሉ ብምንባብ ኪፈልጥዎ ኣጋጣሚ ኸፊቱሎም ኣሎ። ንዅላትና ብዙሕ ስለ ዜፍቅረና፡ እዚ ኣጋጣሚ ኸፊቱልና ኣሎ። w23.02 5 ¶11-12
ሓሙስ 19 ታሕሳስ
ንኣእምሮኹም ብምሕዳስ ተለወጡ እምበር፡ ደጊም በዚ ስርዓት እዚ ኣይትቀረጹ።—ሮሜ 12:2።
ጽድቂ ትፈቱዶ፧ ከም እትፈቱ መሸም ኣየጠራጥርን እዩ። ኵላትና ግና ዘይፍጹማት ኢና፣ እንተ ዘይተጠንቂቕና ኸኣ እቲ ዓለም ብዛዕባ ጽድቂ ዘለዋ ኣረኣእያ ብቐሊሉ ኺጸልወና ይኽእል እዩ። (ኢሳ. 5:20) ብዙሓት ሰባት ንሓደ ብርእሱ ዚምካሕ፡ ንኻልኦት ዚፈርድ፡ ወይ ተመጻዳቒ ሰብ እዮም ጻድቕ ኢሎም ዚሓስብዎ። ኣምላኽ ግና ነዚ ባህርያት እዚ ፈጺሙ ኣይፈትዎን እዩ። የሱስ ኣብ ምድሪ ኣብ ዝነበረሉ እዋን ነቶም ብግዜኡ ዝነበሩ መራሕቲ ሃይማኖት፡ ናይ ርእሶም መለክዒታት ጽድቂ ብምግባሮም ኣትሪሩ ነቒፍዎም እዩ። (መክ. 7:16፣ ሉቃ. 16:15) ናይ ሓቂ ጽድቂ ምስ ምምጽዳቕ ፈጺሙ ኣይተሓሓዝን እዩ። ጽድቂ ጽቡቕ ባህርይ እዩ። እታ ጽድቂ እትብል ቃል ኣብ ቅድሚ ኣዒንቲ የሆዋ ኣምላኽ ቅኑዕ ምግባር ዚብል ትርጉም እዩ ዘለዋ። ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እታ “ጽድቂ” እትብል ቃል በቲ ኻብ ኵሉ ዝለዓለ መለክዒታት፡ ማለት ብመለክዒታት የሆዋ ምምልላስ ዚብል ሓሳብ ተመሓላልፍ። w22.08 27 ¶3-5
ዓርቢ 20 ታሕሳስ
ኣዕሩኸይ ኢለኩም ኣለኹ።—ዮሃ. 15:15።
የሱስ ንደቀ መዛሙርቱ ጕድለታት እናሃለዎም ክነሱ ኣሚንዎም እዩ። (ዮሃ. 15:16) ያእቆብን ዮሃንስን ንየሱስ ኣብ መንግስቱ ፍሉይ ቦታ ኺህቦም ምስ ሓተትዎ፡ ነቲ ንየሆዋ ዜገልግሉሉ ውሽጣዊ ድራኸ ኣብ ሕቶ ኣየእተዎን፡ ወይ ካብ ሃዋርያነቶም ኣይቀንጠጦምን። (ማር. 10:35-40) ጸኒሑ በታ እተታሕዘላ ለይቲ፡ ኵሎም ደቀ መዛሙርቱ ሓዲጎምዎ ሃደሙ። (ማቴ. 26:56) እንተዀነ ግና፡ የሱስ ኣባታቶም ዝነበሮ እምነት ኣየጥፍአን። ንዘይፍጽምናኦም ኣጸቢቑ ይፈልጦ ነይሩ እዩ፣ ይኹን እምበር፡ “ክሳዕ መወዳእታ ኣፍቀሮም።” (ዮሃ. 13:1) ካብ ሞት ምስ ተንስአ ኸኣ፡ ነቶም 11 እሙናት ሃዋርያቱ፡ ነቲ ደቀ መዛሙርቲ ናይ ምግባር ዕዮ ኺመርሑን ነተን ክቡራት ኣባጊዑ ኺከናኸኑን ከቢድ ሓላፍነት ሃቦም። (ማቴ. 28:19, 20፣ ዮሃ. 21:15-17) የሱስ ነዞም ዘይፍጹማት ሰባት እዚኦም ምእማኑ ኣይተጋገየን። ኵላቶም ምድራዊ ህይወቶም ክሳዕ ዚውድኡ ብተኣማንነት ኣገልጊሎም እዮም። እምበኣር፡ የሱስ ንዘይፍጹማት ሰባት ብምእማን ዝመጸ ሰናይ ኣብነት ሓዲጉልና እዩ። w22.09 6 ¶12
ቀዳም 21 ታሕሳስ
የሆዋ ምሳይ እዩ፣ ኣይፈርህን እየ።—መዝ. 118:6።
የሆዋ ኸም ዜፍቅረና፡ ማለት ኣብ ጐድንና ኸም ዝዀነ እንተ ኣሚንና፡ ነቲ ሰይጣን ኬፍርሃና ዚገብሮ ጻዕሪ ኸነሰንፎ ንኽእል ኢና። ንኣብነት፡ ጸሓፊ መዝሙር 118 ኣዝዩ ዜጨንቕ ኵነታት ኣጋጢምዎ ነይሩ እዩ። ብዙሓት ጸላእቲ ነይሮምዎ እዮም፣ ገሊኦም እውን ልዑል ስልጣን ዝነበሮም እዮም ነይሮም (ፍቕዲ 9, 10)። ኣብ ገሊኡ እዋናት እውን፡ ኣብ ትሕቲ ብርቱዕ ጸቕጢ እዩ ነይሩ (ፍቕዲ 13)። ብዘይካዚ ኻብ የሆዋ ብርቱዕ ተግሳጽ ተዋሂብዎ እዩ (ፍቕዲ 18)። ኰይኑ ግና፡ “ኣይፈርህን እየ” ኢሉ ዘሚሩ እዩ። ዋላ እኳ ኻብ የሆዋ ተግሳጽ እንተ ተዋህቦ፡ ሰማያዊ ኣቦኡኸም ዜፍቅሮ ይፈልጥ ነይሩ እዩ። ዜጋጥሞ ዅነታት ብዘየገድስ፡ እቲ ፈቃር ኣምላኹ ወትሩ ንምሕጋዙ ድሉው ምዃኑ ኣሚኑ ነይሩ እዩ። (መዝ. 118:29) የሆዋ ብደረጃ ውልቀ ሰብ ከም ዜፍቅረና ኽንኣምን ኣሎና። እዚ እምነት እዚ ኸኣ፡ ሰለስተ ልሙድ ፍርሂ ኸነሰንፍ ይሕግዘና እዩ። እዚ ድማ (1) ንስድራ ቤትና ዜድልዮም ምምላእ ከይንስእን ዚብል ፍርሂ፡ (2) ፍርሂ ሰብ፡ (3) ፍርሂ ሞት እዩ። w22.06 15 ¶3-4
ሰንበት 22 ታሕሳስ
ፈተና ዚጻወር ሰብ . . . ኣኽሊል ህይወት ስለ ዚቕበል፡ ሕጉስ እዩ።—ያእ. 1:12።
ንኣምልኾ የሆዋ ኣብ ህይወትና ቐዳምነት ክንህቦ ኣሎና። የሆዋ ፈጣሪና ስለ ዝዀነ፡ ኣምልኾና ኣጸቢቑ ይግብኦ እዩ። (ራእ. 4:11፣ 14:6, 7) ስለዚ፡ ነቲ ንዕኡ እነቕርቦ ኣምልኾ ቐዳምነት ክንህቦ ኣሎና፣ በቲ ንሱ ዚቕበሎ መገዲ፡ ማለት “ብመንፈስን ብሓቅን” እውን ከነምልኾ ኣሎና። (ዮሃ. 4:23, 24) ኣምልኾና ምስቲ ኣብ ቃል ኣምላኽ ዚርከብ ሓቅታት ዚሰማማዕ ምእንቲ ኪኸውን፡ ናይ ኣምላኽ መንፈስ ቅዱስ ኣብ ኣምልኾና ኺመርሓና ንደሊ ኢና። ዕዮና ኣብ እተቐየደሉ ወይ ኣብ እተኣገደሉ ሃገራት ንነብር እኳ እንተ ዀንና፡ ንኣምልኾና ቐዳምነት ክንህቦ ኣሎና። ኣብዚ እዋን እዚ፡ ልዕሊ 100 ኣሕዋትን ኣሓትን፡ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ስለ ዝዀኑ ጥራይ ተኣሲሮም ኣለዉ። ይኹን እምበር፡ ንምጽላይ፡ ንምጽናዕ፡ ብዛዕባ ኣምላኽን መንግስቱን ከኣ ንኻልኦት ንምንጋር ተሓጒሶም ዚከኣሎም ይገብሩ ኣለዉ። ሰባት ኪጸርፉናን ኪሰጕጉናን ከለዉ፡ የሆዋ ምሳና ምዃኑን ዓስብና ኸም ዚህበናን ስለ እንፈልጥ፡ ሕጉሳት ክንከውን ንኽእል ኢና።—1 ጴጥ. 4:14። w22.10 9 ¶13
ሰኑይ 23 ታሕሳስ
ጥበብ እውን ዕቝባ እያ።—መክ. 7:12።
የሆዋ ኣብ መጽሓፍ ምሳሌ፡ ንህይወትና ዜመሓይሽ ግዜ ዘይሓልፎ ማዕዳ ሂቡ ኣሎ። ካብዚ ጥበባዊ ምኽሪ እዚ ኽልተ ኣብነት ጥራይ ንርአ። ቀዳማይ፡ ብዘሎካ ዕገብ። ምሳሌ 23:4, 5 እዚ ዚስዕብ ምኽሪ ይህብ፦ “ሃብቲ ኽትረክብ ኢልካ ኣይትድከም። . . . ብርግጽ ከም ንስሪ ኣኽናፍ ኣውጺኡ ናብ ሰማይ ኪነፍር እዩ።” እንተዀነ ግና፡ ሎሚ ሃብታማትን ድኻታትን ገንዘብ ንምርካብ ሃነፍነፍ ይብሉ ኣለዉ። እዚ ድማ ንስሞም፡ ንርክባቶም፡ ካብኡ ሓሊፉ እውን ንጥዕናኦም ብዚጐድእ መገዲ ኸም ዚመላለሱ ይገብሮም ኣሎ። (ምሳ. 28:20፣ 1 ጢሞ. 6:9, 10) ካልኣይ፡ ቅድሚ ምዝራብካ፡ ሕሰብ። እንተ ዘይተጠንቂቕና፡ ብቓላትና ዓብዪ ጕድኣት ከነስዕብ ንኽእል ኢና። ምሳሌ 12:18፡ “ብዘይ ሓልዮት ዚዝረብ ዘረባ ኸም ሰይፊ ይወግእ፣ ልሳን ጥበበኛታት ግና የሕዊ” ይብል። ምስ ሰባት ዘሎና ጽቡቕ ርክብ ክንዕቅብ እንተ ደሊና፡ ብዛዕባ ጕድለታት ካልኦት ኣይነውርን ኢና።—ምሳ. 20:19። w22.10 21 ¶14፣ 22 ¶16-17
ሰሉስ 24 ታሕሳስ
ነዛ ጥቕልልቲ ብልዓያ፣ ኪድ እሞ ንቤት እስራኤል ተዛረቦም።—ህዝ. 3:1።
ህዝቅኤል ነቲ ዜብጽሖ መልእኽቲ ምሉእ ብምሉእ ኪርድኦ ነይርዎ። እቲ መልእኽቲ ንውሽጣዊ ስምዒቱ ምእንቲ ኺጸልዎ፡ ብምሳልያዊ ኣዘራርባ ኣብ ውሽጡ ኪኸውን ነይርዎ። ድሕርዚ፡ ሓደ ዜገርም ነገር ኰነ። ህዝቅኤል ነታ ጥቕልልቲ ምስ በልዓ፡ ኣብ ኣፉ “ኸም መዓር ጥዕምቲ ነበረት።” (ህዝ. 3:3) ስለምንታይ፧ ህዝቅኤል ነቲ ንየሆዋ ናይ ምውካል ክብሪ፡ ከም ጥዑም ወይ ባህ ከም ዜብል ገይሩ እዩ ዚርእዮ ነይሩ። (መዝ. 19:8-11) ነብዪ ዀይኑ ኼገልግል ብየሆዋ ተቐባልነት ምርካቡ፡ ብዙሕ ኣሐጒስዎ እዩ። ድሕርዚ፡ የሆዋ ንህዝቅኤል፡ “ንዅሉ እቲ ዝዛረበካ ቓላተይ ኣብ ልብኻ ኣሕድሮን ስምዓዮን” በሎ። (ህዝ. 3:10) በዚ ኸምዚ ኸኣ፡ ነቲ ኣብታ ጥቕልልቲ እተጻሕፈ ቓላት ኣብ ተዘክሮኡ ኪቐርጾን ኬስተንትነሉን ነገሮ። ህዝቅኤል ከምኡ ብምግባሩ ተዓንጊሉ እዩ። ነቲ ህዝቢ ዜብጽሓሉ ሓያል መልእኽቲ እውን ኪረክብ ክኢሉ እዩ። (ህዝ. 3:11) መልእኽቲ ኣምላኽ ኣብ ልቡን ኣብ ከናፍሩን ስለ ዝነበረ ኸኣ፡ ዕዮኡ ንምፍጻም ድሉው ኰይኑ እዩ። w22.11 6 ¶12-14
ረቡዕ 25 ታሕሳስ
ተኣዛዝነት ካብ መስዋእቲ ይበልጽ።—1 ሳሙ. 15:22።
ውድባዊ ለውጥታት ንተኣማንነትካ እንተ ፈቲንዎ እንታይ ኢኻ ኽትገብር እትኽእል፧ ንውድባዊ ለውጥታት ብምሉእ ልብኻ ደግፎ። እስራኤላውያን ኣብ በረኻ ኣብ ዚጕዓዙሉ ዝነበሩ እዋን፡ ቀሃታውያን ነቲ ታቦት ኪዳን ጾይሮም ኣብ ቅድሚ ዅሎም ህዝቢ ይጕዓዙ ነይሮም። (ዘሁ. 3:29, 31፣ 10:33፣ እያ. 3:2-4) እዚ ዓብዪ መሰል እዩ ነይሩ! እስራኤላውያን ኣብ ምድሪ ተስፋ ምስ ሰፈሩ ግና፡ ነገራት ተቐያየረ። እቲ ታቦት በብእዋኑ ኻብ ቦታ ናብ ቦታ ኣይግዕዝን እዩ ነይሩ። ስለዚ፡ ቀሃታውያን ኣብ ካልእ ዕዮ ተመዲቦም ነይሮም እዮም። (1 ዜና 6:31-33፣ 26:1, 24) ቀሃታውያን ነቲ ፍሉይ ታሪኾም እናዘከሩ ኸም ዘማረሩ፡ ወይ ክብ ኣቢልካ ዚርአ ቦታ ኺውሃቦም ከም ዝሓተቱ ዚሕብር ጸብጻብ የሎን። ካብዚ እንታይ ንምሃር፧ ነቲ ውድብ የሆዋ እትገብሮ ለውጥታት፡ እንተላይ ነቲ ንዕዮኻ ዚጸሉ እውን እንተ ዀነ፡ ብምሉእ ልብኻ ደግፎ። በቲ ዚውሃበካ ዕዮ ተሓጐስ። ከም ሰብ ዘሎካ ዋጋ ብዕዮኻ ኸም ዘይግመት ኣይትረስዕ። የሆዋ ንተኣዛዝነትካ ኻብ ዝዀነ ይኹን ዕዮ ንላዕሊ ኽብ ኣቢሉ እዩ ዚርእዮ። w22.11 23 ¶10-11
ሓሙስ 26 ታሕሳስ
ብሰንሰለት ማእሰርተይ እውን ኣይሓፈረን።—2 ጢሞ. 1:16።
ኦኔሲፎሮስ ንሃዋርያ ጳውሎስ ሃለው ኢሉ ደለዮ፣ ምስ ረኸቦ ድማ ግብራዊ ደገፍ ሃቦ። ከምኡ ኺገብር ከሎ ኸኣ፡ ህይወቱ እዩ ኣብ ሓደጋ ኣእትዩ። ካብዚ እንታይ ንምሃር፧ ብፍርሂ ሰብ ተዳሂልና ኣብ ትሕቲ መስጐጕቲ ንዘለዉ ኣሕዋትና ኻብ ምድጋፍ ድሕር ክንብል የብልናን። ኣብ ክንዳኡስ፡ ንምሕጋዞም ዚከኣለና ንግበር። (ምሳ. 17:17) ፍቕርናን ደገፍናን የድልዮም እዩ። ኣብ ሩስያ ዘለዉ ኣሕዋትናን ኣሓትናን ነቶም ኣብ ቤት ማእሰርቲ እተዳጐኑ ክርስትያናት ብጾቶም ብኸመይ ከም ዝደገፍዎም እስከ ንርአ። ገሊኦም ናብ ቤት ፍርዲ ኣብ ዚቐርቡሉ እዋን፡ ብዙሓት ኣሕዋትን ኣሓትን ኪድግፍዎም ኢሎም ናብ ቤት ፍርዲ ይኸዱ እዮም። ካብዚ እንታይ ንምሃር፧ ሓላፍነት ዘለዎም ኣሕዋትና፡ ስሞም ኪጽልም፡ ኪእሰሩ፡ ወይ ኪስጐጉ ኸለዉ በዚ ኽንድሃል የብልናን። የግዳስ፡ ንጸልየሎም፡ ንኣባላት ስድራ ቤቶም ንሕለየሎም፡ ደገፍና እነርእየሉ ግብራዊ መገድታት እውን ነናዲ።—ግብ. 12:5፣ 2 ቈረ. 1:10, 11። w22.11 17 ¶11-12
ዓርቢ 27 ታሕሳስ
ምንጪ ዓብዪ ምጽንናዕ . . . ኰይኖምኒ ኣለዉ።—ቈሎ. 4:11።
ሓደ ኻብቲ ክርስትያን ሽማግለታት ዚዓይይዎ ዕዮ፡ መንፈሳውን ስምዒታውን ደገፍ ምሃብ እዩ። (1 ጴጥ. 5:2) ሓደጋ ኼጋጥም ከሎ፡ ቅድም ቀዳድም ነፍሲ ወከፍ ሓው ወይ ሓብቲ ደሓን ምዃኑ፡ ዜድልዮ ምግብን ክዳንን መዕቀልን ድማ ከም ዘለዎ ኼረጋግጹ ኣለዎም። ይኹን እምበር፡ እቶም ካብቲ ሓደጋ ዝደሓኑ ሰባት ንሓያሎ ኣዋርሕ መንፈሳውን ስምዒታውን ደገፍ ኬድልዮም ይኽእል እዩ። (ዮሃ. 21:15) ሃሮልድ ዚብሃል ኣብ ኮሚተ ጨንፈር ዜገልግል ሓው፡ ብሓደጋ ምስ እተጸልዉ ብዙሓት ኣሕዋትን ኣሓትን ተራኺቡ እዩ። ንሱ፡ “ነቲ ዜጋጥም ጸገም ንምስጋር ግዜ ይሓትት እዩ” ድሕሪ ምባል፡ “ነቲ ዘጋጠሞም ጕድኣት ሰጊሮምዎ ኪኸዱ ምስ በሉ፡ ሞት እቲ ዚፈትውዎ ሰቦም፡ ፍሉይ ዝኽሪ ዜምጽኣሎም ንብረት፡ ወይ ንስክላ ዘምለጡሉ ኣጋጣሚ ኣብ ተዘክሮኦም ቅጅል ኪብሎም ይኽእል እዩ። እዚ ተዘክሮታት እዚ ድማ ከም ብሓድሽ ንሓዘኖም የለዓዕሎ። እዚ ጕድለት እምነት ኣይኰነን፣ የግዳስ፡ ኣብ ሰባት ንቡር ዝዀነ ነገር እዩ።” ሽማግለታት ነቲ፡ “ምስቶም ዚበኽዩ ብኸዩ” ዚብል ምኽሪ ኺትግብርዎ ይጽዕሩ እዮም።—ሮሜ 12:15። w22.12 22 ¶1፣ 24-25 ¶10-11
ቀዳም 28 ታሕሳስ
ብመንፈስ ተመላለሱ፡ ትምኒት ስጋ ድማ ከቶ ኣይክትፍጽሙን ኢኹም።—ገላ. 5:16።
ኣብቲ ቕኑዕ ንምግባር እንገብሮ ቓልሲ ምእንቲ ኽንዕወት፡ የሆዋ መንፈስ ቅዱሱ ብልግሲ ይህበና እዩ። ቃል ኣምላኽ ከነጽንዕ ከለና፡ እቲ መንፈስ እቲ ኺጸልወና ኢና እንፈቅድ ዘሎና። ኣብ ኣኼባታት ክንእከብ ከለና እውን፡ መንፈስ ቅዱስ ንረክብ ኢና። ኣብ ክርስትያናዊ ኣኼባታት ከማና ቕኑዕ ኪገብሩ ምስ ዚጽዕሩን ምስ ዜተባብዑናን ኣሕዋትናን ኣሓትናን ኢና ግዜ እነሕልፍ። (እብ. 10:24, 25፣ 13:7) ናብ የሆዋ ብልባዊ ጸሎት ቀሪብና ኣብ ገሊኡ ድኽመታትና ኺሕግዘና እንተ ለሚንናዮ ኸኣ፡ ብቐጻሊ ኽንቃለስ ዜኽእለና መንፈስ ቅዱሱ ይህበና እዩ። እዚ ዅሉ ንግጉይ ትምኒታት እኳ እንተ ዘየጥፍኦ፡ በቲ ትምኒታት እቲ ተደፊእና ሕማቕ ከይንገብር ግና ይሕግዘና እዩ። ጥዑይ መንፈሳዊ ልማድ ምስ ኣማዕበልና፡ ነቲ ልማድ እቲ ኽንዕቅቦን ግቡእ ትምኒታት ብቐጻሊ ኸነማዕብልን ኣሎና። w23.01 11 ¶13-14
ሰንበት 29 ታሕሳስ
ሓደ ነገር እኳ ኺቈጻጸረኒ ኣይሓድጎን እየ።—1 ቈረ. 6:12።
መጽሓፍ ቅዱስ ናይ ክንክን ጥዕና ወይ ናይ ስርዓት ኣመጋግባ መጽሓፍ እኳ እንተ ዘይኰነ፡ ነቲ የሆዋ ብዛዕባ እዚ ዘለዎ ኣተሓሳስባ ግና ይገልጸልና እዩ። ንኣብነት፡ የሆዋ፡ “ጐዳኢ ነገር . . . ካብ ሰብነትካ ኣወግድ” ኢሉ ተማሕጺኑና ኣሎ። (መክ. 11:10) እቲ ንህይወት ኬስግእ ዚኽእል ህርፋንን ስኽራንን ከኣ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ተዀኒኑ ኣሎ። (ምሳ. 23:20) ዓይነትን መጠንን እቲ እንበልዖ ምግቢ ዀነ እንሰትዮ መስተ ኽንውስን ከለና፡ ርእስና ኽንገትእ እዩ የሆዋ ዚጽበየና። (1 ቈረ. 6:12፣ 9:25) ነመዛዝን እንተ ዄንና፡ ነቲ ኣምላኽ ዝሃበና ህይወት ዓሚቝ ሞሳ ኸም ዘሎና ዜርኢ ውሳነታት ክንገብር ንኽእል ኢና። (መዝ. 119:99, 100፣ ምሳ. 2:11) ንኣብነት፡ በቲ እንመርጾ ምግቢ ኣቢልና፡ ጽቡቕ ከም እነመዛዝን ከነርኢ ንኽእል ኢና። ገሊኡ ዓይነት ምግቢ ንፈቱ እንተ ዄንና እሞ፡ እቲ ምግቢ እቲ ግና ዜሕምመና እንተ ዀይኑ፡ ነቲ ምግቢ እቲ ኽንበልዖ የብልናን። እኹል ድቃስ ብምድቃስ፡ ስሩዕ ኣካላዊ ምውስዋስ ብምግባር፡ ጽሬት ሰብነትና ዀነ ጽሬት ቤትና ብምሕላው፡ ለባማት ምዃንና ኸነርኢ ንኽእል ኢና። w23.02 21 ¶6-7
ሰኑይ 30 ታሕሳስ
ከመይከ ተንብብ፧—ሉቃ. 10:26።
መጽሓፍ ቅዱስ ከተንብብ ከለኻ፡ ከመይ ጌርካ ኢኻ መንፈሳዊ መዛግብቲ ኽትረክብ እትኽእል፧ ኣብ 2 ጢሞቴዎስ 3:16, 17 እንታይ ከም እተባህለ እስከ ንርአ። ኣብዛ ፍቕዲ እዚኣ፡ “ኵሉ ቕዱስ ጽሑፍ” (1) ንምምሃር፡ (2) ንምግናሕ፡ (3) ንምቕናዕ፡ (4) ንምግሳጽ “ዚጠቅም እዩ” ተባሂሉ ኣሎ። ካብቲ ኣዘውቲርካ ዘይትጥቀመሉ መጻሕፍቲ መጽሓፍ ቅዱስ እኳ፡ እዚ ኣርባዕተ ጥቕምታት ክትረክብ ትኽእል ኢኻ። እምበኣር፡ እቲ እተንብቦ ጸብጻብ እቲ፡ ብዛዕባ የሆዋ፡ ብዛዕባ ዕላማኡ፡ ወይ ብዛዕባ ስርዓታት ኣምላኽ እንታይ ከም ዚምህረካ ርአ። ብዘይካዚ፡ ንምግናሕ ብኸመይ ከም ዚሕግዘካ ኣስተብህል። ከምኡ ንምግባር ከኣ፡ እቲ ፍቕድታት እቲ ግጉይ ዝንባለታት ወይ ኣረኣእያታት ንምልላይን ንምንጻግን ብኸመይ ከም ዚሕግዘካ፡ ብተኣማንነት ንምምልላስ ከኣ ብኸመይ ከም ዚሕግዘካ ኣስተብህል። ብተወሳኺ፡ እቲ ጸብጻብ እቲ ንግጉይ ኣረኣእያ ንምቕናዕ ወይ ንምእራም ብኸመይ ክትጥቀመሉ ኸም እትኽእል መርምር። ንኣብነት፡ ኣብ ኣገልግሎት ንዜጋጥመካ ግጉይ ኣረኣእያ ንምእራም ክትጥቀመሉ ትኽእል ኢኻ። ብዘይካዚ፡ ኣተሓሳስባ የሆዋ ንምንጽብራቕ ዜኽእል ስልጠና ምእንቲ ኽትረክብ፡ ኣብቲ ፍቕድታት እቲ ኺርከብ ዚኽእል ተግሳጽ ኣናዲ። ነዚ ኣርባዕተ ጥቕምታት ወትሩ ትዝክር እንተ ዄንካ፡ ንንባብ መጽሓፍ ቅዱስካ ብሉጽ ኪገብሮ ዚኽእል መንፈሳዊ መዛግብቲ ኽትረክብ ኢኻ። w23.02 11 ¶11
ሰሉስ 31 ታሕሳስ
መንግስቱ እውን ከቶ ኣይክትጠፍእን እያ።—ዳን. 7:14።
ኣብ መጽሓፍ ዳንኤል ኣብ ዚርከብ ካልእ ትንቢት፡ የሱስ ኣብቲ ኣብ መወዳእታ እቲ ብትንቢት እተገልጸ ሸውዓተ ግዜያት፡ መንግስቲ ኸም ዚውሃቦ ተገሊጹ ኣሎ። እሞ ደኣ እዚ ዜሐጕስ ፍጻመ መዓስ ከም ዝዀነ ኽንፈልጥ ንኽእል ዲና፧ (ዳን. 4:10-17) እቲ “ሸውዓተ ግዜያት” ን2,520 ዓመት እዩ ዜመልክት። እቲ እዋን እቲ፡ ኣብ 607 ቅ.ክ. እዩ ጀሚሩ። በታ ዓመት እቲኣ ባቢሎናውያን ነቲ ኣብ የሩሳሌም ኣብ ዝነበረ ዝፋን ዚቕመጥ ናይ መወዳእታ ንጉስ ኣልገስዎ። እቲ ሸውዓተ ግዜያት ብ1914 ድ.ክ. እዩ ኣብቂዑ። በታ ዓመት እቲኣ ኸኣ የሆዋ ነቲ “ሕጋዊ መሰል ዘለዎ” የሱስ፡ ንጉስ መንግስቲ ኣምላኽ ገበሮ። (ህዝ. 21:25-27) እዚ ትንቢት እዚ ብኸመይ ይጠቕመና፧ ብዛዕባ እቲ “ሸውዓተ ግዜያት” ክንፈልጥ ምኽኣልና፡ የሆዋ ነቲ ዘተስፈዎ ተስፋታት ኣብ ልክዕ ግዜኡ ኸም ዚፍጽሞ የረጋግጸልና እዩ። የሆዋ ኸምቲ ብዛዕባ ምቛም እታ መንግስቲ ውሱን ግዜ ዝመደበ፡ ካልእ ትንቢታት እውን ብመሰረት ሰሌዳ ግዜኡ ኸም ዚፍጸም ኬረጋግጽ እዩ። እወ፡ መዓልቲ የሆዋ ‘ኣይክትድንጕን እያ!’—ኣን. 2:3። w22.07 3 ¶3-5