መዝሙር ምድያብ።
125 እቶም ብየሆዋ ዚእመኑ፡+
ከምታ ዘይትናወጽ፡
ግናኸ ንዘለኣለም እትነብር ከረን ጽዮን እዮም።+
2 ከምቲ ኣኽራን ንየሩሳሌም ዚኸብባ፡+
ካብ ሕጂ ንዘለኣለም፡
የሆዋ ንህዝቡ ይኸብቦ።+
3 ጻድቃን፡ ዓመጻ ናብ ምግባር ከይዝምብሉስ፡+
ዘንጊ እከይ ኣብታ ንጻድቃን እተመደበት ምድሪ ኣይነብርን እዩ።+
4 ኦ የሆዋ፡ ንሕያዎትን ቅኑዕ ንዝልቦምን+
ጽቡቕ ግበረሎም።+
5 ነቶም ናብ ጠዋይ መገድታቶም ዜልግሱ ግና፡
የሆዋ ምስቶም ገበርቲ ኽፉእ ብሓባር ኬርሕቖም እዩ።+
ሰላም ኣብ እስራኤል ይኹን።