መዝሙር
ንኣላዪ፣ ብሸሚኒት* ብእተቓነየ በገና ዚስነ። ናይ ዳዊት መዝሙር።
6 ኦ የሆዋ፡ ብቝጥዓኻ ኣይትግንሓኒ፣
ብነድርኻ ድማ ኣይትኣርመኒ።+
2 ኦ የሆዋ፡ እደክም ኣለኹ እሞ፡ ሞገስካ* ኣርእየኒ።
ኦ የሆዋ፡ ኣዕጽምተይ የንቀጥቅጥ ኣሎ እሞ፡ ኣሕውየኒ።+
7 ዓይነይ ብጓሂ ደኺማ ኣላ፣+
ብሰሪ ዅሎም እቶም ዚጻረሩኒ ሓሚቓ ኣላ።
8 የሆዋ ንድምጺ ብኽያተይ ኪሰምዖ እዩ እሞ፡+
ኣቱም ገበርቲ እከይ፡ ካባይ ርሓቑ።
9 የሆዋ ንናይ ሞገስ ልማኖይ ኪሰምዖ እዩ፣+
የሆዋ ንጸሎተይ ኪቕበሎ እዩ።
10 ኵሎም ጸላእተይ ኪሓፍሩን ኪድሃሉን እዮም፣
ብሃንደበታዊ ውርደት ንድሕሪት ኪወድቁ እዮም።+