መዝሙር
ንኣላዪ፣ ብበገና ዚስነ። ናይ ኣሳፍ መዝሙር።+ ማህሌት።
3 ኣብኡ ኸኣ ሃልሃል ዚብል ፍላጻታት ቀስቲ፡
ዋልታን ሰይፍን ኣጽዋር ውግእን ሰይሩ።+ (ሴላ)
4 ንስኻ ደሚቕካ በሪህካ፣*
እንስሳ ሃድን ካብ ዝመልኦ ኣኽራን ዚበልጽ ግርማ ኣሎካ።
5 ተባዓት ልቢ ተዘሚቶም።+
ድቃሶም ደቂሶም፣
ኵሎም ጀጋኑ ረዳኢ ኣልቦ ዀይኖም።+
6 ኦ ኣምላኽ ያእቆብ፡ ብመግናሕትኻ
ብዓል ሰረገላን ፈረስን ከቢድ ድቃስ ደቂሶም።+
7 ንስኻ በይንኻ ኢኻ እተፍርህ።+
ነቲ ብርቱዕ ቍጥዓኻኸ መን ኪጻወሮ ይኽእል፧+
12 ንሱ ንዅርዓት* መራሕቲ ኼትሕቶ እዩ፣
ንነገስታት ምድሪ የፍርሆም እዩ።