-
ዘፍጥረት 48:17መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም
-
-
17 ዮሴፍ ከኣ ኣቦኡ የማነይቲ ኢዱ ኣብ ርእሲ ኤፍሬም ከም ዘንበረ ምስ ረኣየ፡ በዚ ጐሃየ እሞ፡ ኢድ ኣቦኡ ሒዙ ኻብ ርእሲ ኤፍሬም ናብ ርእሲ ምናሴ ኼሕልፋ ፈተነ።
-
-
ዘሁልቍ 1:32, 33መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም
-
-
32 ካብ ኤፍሬም እተወልዱ ደቂ ዮሴፍ+ በብስሞምን በብዓሌቶምን በብማይ ቤቶምን ተመዝገቡ። ካብ ወዲ 20 ዓመት ንላዕሊ ዝዀኑ ኣብ ሰራዊት ኬገልግሉ ዚኽእሉ ዅሎም ተባዕትዮ ተቘጽሩ። 33 ቍጽሪ እቶም ካብ ነገድ ኤፍሬም እተመዝገቡ ድማ፡ 40,500 ነበረ።
-