ዘፍጥረት 48:5 መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም 5 ሕጂ ኸኣ እቶም ኣነ ናባኻ ናብ ግብጺ ቕድሚ ምምጻአይ ኣብ ምድሪ ግብጺ እተወልዱልካ ኽልቲኦም ደቅኻ ናተይ እዮም።+ ኤፍሬምን ምናሴን ከም ሮቤልን ስምኦንን ናተይ ኪዀኑ እዮም።+ ዘፍጥረት 48:19, 20 መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም 19 ኣቦኡ ግና ኣብዩ፡ “እፈልጥ ወደየ፡ እፈልጥ። ንሱ እውን ህዝቢ ኪኸውን እዩ፡ ንሱ እውን ዓብዪ ኪኸውን እዩ። ኰይኑ ግና፡ እቲ ንእሽቶ ሓዉ ኻብኡ ኺዓቢ እዩ፡+ ዘርኡ እውን ማዕረ ኣህዛብ ኪኸውን እዩ”+ በለ። 20 በታ መዓልቲ እቲኣ ኸኣ ከምዚ ኢሉ መረቖም፦+ “‘ኣምላኽ ከም ኤፍሬምን ምናሴን ይግበርካ’ ኢሎም እስራኤላውያን ብኣኻ ይመርቑ።” በዚ ኸምዚ፡ ንኤፍሬም ቅድሚ ምናሴ ገበሮ። 1 ዜና መዋእል 5:2 መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም 2 ይሁዳ+ ኻብ ኣሕዋቱ እኳ እንተ በለጸ፡ መራሒ እውን ካብኡ እኳ እንተ መጸ፡+ ብዅርና ግና ናይ ዮሴፍ ኰነ።
5 ሕጂ ኸኣ እቶም ኣነ ናባኻ ናብ ግብጺ ቕድሚ ምምጻአይ ኣብ ምድሪ ግብጺ እተወልዱልካ ኽልቲኦም ደቅኻ ናተይ እዮም።+ ኤፍሬምን ምናሴን ከም ሮቤልን ስምኦንን ናተይ ኪዀኑ እዮም።+
19 ኣቦኡ ግና ኣብዩ፡ “እፈልጥ ወደየ፡ እፈልጥ። ንሱ እውን ህዝቢ ኪኸውን እዩ፡ ንሱ እውን ዓብዪ ኪኸውን እዩ። ኰይኑ ግና፡ እቲ ንእሽቶ ሓዉ ኻብኡ ኺዓቢ እዩ፡+ ዘርኡ እውን ማዕረ ኣህዛብ ኪኸውን እዩ”+ በለ። 20 በታ መዓልቲ እቲኣ ኸኣ ከምዚ ኢሉ መረቖም፦+ “‘ኣምላኽ ከም ኤፍሬምን ምናሴን ይግበርካ’ ኢሎም እስራኤላውያን ብኣኻ ይመርቑ።” በዚ ኸምዚ፡ ንኤፍሬም ቅድሚ ምናሴ ገበሮ።