ዘፍጥረት 3:15 መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም 15 ኣብ መንጎኻን+ ኣብ መንጎ እታ ሰበይትን፡+ ኣብ መንጎ ዘርእኻን+ ኣብ መንጎ ዘርኣን+ ጽልኢ እተክል ኣለኹ።+ ንሱ ርእስኻ ኺጭፍልቕ እዩ፣+ ንስኻ ድማ ሸዀናኡ ኽትነክስ ኢኻ”+ በሎ። ዘፍጥረት 21:12 መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም 12 ኣምላኽ ድማ ንኣብርሃም፡ “በቲ ሳራ ብዛዕባ እዚ ወድን ብዛዕባ እዛ ባርያኻን እትብለካ ዘላ ኣይትጕሀ። ብይስሃቅ እዩ ዘርእኻ ዚጽዋዕ እሞ፡+ ቃላ ስማዕ። ዘፍጥረት 28:13, 14 መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም 13 እንሆ ኸኣ፡ የሆዋ ኣብ ልዕሊኡ ዀይኑ ኸምዚ በሎ፦ “ኣነ የሆዋ፡ ኣምላኽ ኣቦኻ ኣብርሃምን ኣምላኽ ይስሃቅን እየ።+ እዛ ደቂስካላ ዘለኻ ምድሪ ንዓኻን ንዘርእኻን ክህበኩም እየ።+ 14 ዘርእኻ ድማ ብርግጽ ከም ሓመድ ምድሪ ኪኸውን እዩ፣+ ናብ ምዕራብን ናብ ምብራቕን ናብ ሰሜንን ናብ ደቡብን ከኣ ከተስፋሕፍሕ ኢኻ፣ ኵሎም ዓሌታት ምድሪ ድማ ብኣኻን ብዘርእኻን ብርግጽ ኪባረኹ* እዮም።+ ሮሜ 9:7 መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም 7 ዘርኢ ኣብርሃም ስለ ዝዀኑ እውን፡ ኵላቶም ውሉዳት ኣይኰኑን፣+ የግዳስ፡ “ብይስሃቅ እዩ ዘርእኻ ዚጽዋዕ” እዩ ተባሂሉ።+ ገላትያ 3:16 መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም 16 እቲ ንኣብርሃምን ንዘርኡን እተነግረ ተስፋ፡+ ከም ንብዙሕ፡ “ንኣዝርእትኻ” ዘይኰነስ፡ ከም ንሓደ፡ “ንዘርእኻ” እዩ ዚብል፣ ንሱ ድማ ክርስቶስ እዩ።+
15 ኣብ መንጎኻን+ ኣብ መንጎ እታ ሰበይትን፡+ ኣብ መንጎ ዘርእኻን+ ኣብ መንጎ ዘርኣን+ ጽልኢ እተክል ኣለኹ።+ ንሱ ርእስኻ ኺጭፍልቕ እዩ፣+ ንስኻ ድማ ሸዀናኡ ኽትነክስ ኢኻ”+ በሎ።
13 እንሆ ኸኣ፡ የሆዋ ኣብ ልዕሊኡ ዀይኑ ኸምዚ በሎ፦ “ኣነ የሆዋ፡ ኣምላኽ ኣቦኻ ኣብርሃምን ኣምላኽ ይስሃቅን እየ።+ እዛ ደቂስካላ ዘለኻ ምድሪ ንዓኻን ንዘርእኻን ክህበኩም እየ።+ 14 ዘርእኻ ድማ ብርግጽ ከም ሓመድ ምድሪ ኪኸውን እዩ፣+ ናብ ምዕራብን ናብ ምብራቕን ናብ ሰሜንን ናብ ደቡብን ከኣ ከተስፋሕፍሕ ኢኻ፣ ኵሎም ዓሌታት ምድሪ ድማ ብኣኻን ብዘርእኻን ብርግጽ ኪባረኹ* እዮም።+