ዘፍጥረት 21:9 መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም 9 ሳራ ኸኣ እቲ ኣጋር+ እታ ግብጻዊት ንኣብርሃም ዝወለደትሉ ወዲ ንይስሃቅ ኬላግጸሉ ረኣየት።+ ዘጸኣት 1:13, 14 መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም 13 ስለዚ፡ ግብጻውያን ንእስራኤላውያን ባሮት ገይሮም ብጭከና ኣዕየይዎም።+ 14 ብብርቱዕ ሽቕለት፡ ማለት ብምብዓጥ ጭቃን ብሕጡብን ብዅሉ ዓይነት ባርነት መሮርን ድማ፡ ንህይወቶም ኣመረርዋ። እወ፡ ብዅሉ ዓይነት ባርነት ብጭከና ኣልፍዕዎም።+ ዘጸኣት 3:7 መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም 7 የሆዋ ኸኣ ከምዚ በለ፦ “ጸበባ እቲ ኣብ ግብጺ ዘሎ ህዝበይ ብርግጽ ርእየ ኣለኹ፣ እቲ ብሰሪ እቶም ኣገዲዶም ዜዕይይዎም ኣዕየይቲ ዜእውይዎ ኣውያት ድማ ሰሚዐ ኣለኹ፣ ስቓዮም እውን ኣጸቢቐ ፈሊጠ ኣለኹ።+ ግብሪ ሃዋርያት 7:6, 7 መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም 6 ዘርኡ ኣብ ዘይምድሮም ጓኖት ከም ዚዀኑን እቶም ህዝቢ ን400 ዓመት ከም ዚገዝእዎምን ከም ዚገፍዕዎምን እውን ኣምላኽ ተዛረቦ።+ 7 ኣምላኽ ድማ፡ ‘ነቲ ዚግዝእዎ ህዝቢ ኸኣ ኣነ ኽፈርዶ እየ፣+ ድሕርዚ፡ ኪወጹ እሞ፡ ኣብዛ ቦታ እዚኣ ኼገልግሉኒ* እዮም’ በለ።+
13 ስለዚ፡ ግብጻውያን ንእስራኤላውያን ባሮት ገይሮም ብጭከና ኣዕየይዎም።+ 14 ብብርቱዕ ሽቕለት፡ ማለት ብምብዓጥ ጭቃን ብሕጡብን ብዅሉ ዓይነት ባርነት መሮርን ድማ፡ ንህይወቶም ኣመረርዋ። እወ፡ ብዅሉ ዓይነት ባርነት ብጭከና ኣልፍዕዎም።+
7 የሆዋ ኸኣ ከምዚ በለ፦ “ጸበባ እቲ ኣብ ግብጺ ዘሎ ህዝበይ ብርግጽ ርእየ ኣለኹ፣ እቲ ብሰሪ እቶም ኣገዲዶም ዜዕይይዎም ኣዕየይቲ ዜእውይዎ ኣውያት ድማ ሰሚዐ ኣለኹ፣ ስቓዮም እውን ኣጸቢቐ ፈሊጠ ኣለኹ።+
6 ዘርኡ ኣብ ዘይምድሮም ጓኖት ከም ዚዀኑን እቶም ህዝቢ ን400 ዓመት ከም ዚገዝእዎምን ከም ዚገፍዕዎምን እውን ኣምላኽ ተዛረቦ።+ 7 ኣምላኽ ድማ፡ ‘ነቲ ዚግዝእዎ ህዝቢ ኸኣ ኣነ ኽፈርዶ እየ፣+ ድሕርዚ፡ ኪወጹ እሞ፡ ኣብዛ ቦታ እዚኣ ኼገልግሉኒ* እዮም’ በለ።+