2 ሳሙኤል 8:14 መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም 14 ኣብ ኤዶም ከኣ ዝዓረደ ሰራዊት ኣንበረ። ኣብ ኵላ ኤዶም ዝዓረደ ሰራዊት ኣንበረ፣ ኵሎም ኤዶማውያን ድማ ገላዉ ዳዊት ኰኑ።+ የሆዋ ኸኣ ንዳዊት ኣብ ዝኸዶ ዘበለ ዓወት* ሃቦ።+ ሚልክያስ 1:2, 3 መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም 2 “ኣነ ኣፍቂረኩም እየ”+ ይብል የሆዋ። ንስኻትኩም ግና፡ “ከመይ ጌርካ ኢኻ ዘፍቀርካና፧” ትብሉ ኣለኹም። “ኤሳውዶ ሓው ያእቆብ ኣይኰነን፧”+ ይብል የሆዋ። “ግናኸ፡ ንያእቆብ ኣፍቂረዮ፡ 3 ንኤሳው ድማ ጸሊአዮ፣+ ንኣኽራኑ ኸኣ ኣባዲመዮ፡+ ርስቱ እውን ንወኻሩ* በረኻ ሓዲገዮ።”+ ሮሜ 9:10-13 መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም 10 ሽዑ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ርብቃ እውን ካብ ሓደ፡ ማለት ካብ ኣቦና ይስሃቅ፡ ማናቱ ምስ ጠነሰት፡+ 11 ንሕርያ ዚምልከት ዕላማ ኣምላኽ፡ ካብቲ ጸዋዒ እምበር፡ ካብ ግብሪ ምእንቲ ኸይከውን፡ ከይተወልዱ ኸለዉ፡ ጽቡቕ ኰነ ወይስ ክፉእ እውን ከይገበሩ ኸለዉ፡ 12 “እቲ ዓብዪ ነቲ ንእሽቶ ኺግዝኦ እዩ” ተባሂሉ እዩ ተነጊርዋ።+ 13 ከምቲ፡ “ንያእቆብ ኣፍቂረዮ፡ ንኤሳው ግና ጸሊአዮ” ዚብል እተጻሕፈ እዩ።+
14 ኣብ ኤዶም ከኣ ዝዓረደ ሰራዊት ኣንበረ። ኣብ ኵላ ኤዶም ዝዓረደ ሰራዊት ኣንበረ፣ ኵሎም ኤዶማውያን ድማ ገላዉ ዳዊት ኰኑ።+ የሆዋ ኸኣ ንዳዊት ኣብ ዝኸዶ ዘበለ ዓወት* ሃቦ።+
2 “ኣነ ኣፍቂረኩም እየ”+ ይብል የሆዋ። ንስኻትኩም ግና፡ “ከመይ ጌርካ ኢኻ ዘፍቀርካና፧” ትብሉ ኣለኹም። “ኤሳውዶ ሓው ያእቆብ ኣይኰነን፧”+ ይብል የሆዋ። “ግናኸ፡ ንያእቆብ ኣፍቂረዮ፡ 3 ንኤሳው ድማ ጸሊአዮ፣+ ንኣኽራኑ ኸኣ ኣባዲመዮ፡+ ርስቱ እውን ንወኻሩ* በረኻ ሓዲገዮ።”+
10 ሽዑ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ርብቃ እውን ካብ ሓደ፡ ማለት ካብ ኣቦና ይስሃቅ፡ ማናቱ ምስ ጠነሰት፡+ 11 ንሕርያ ዚምልከት ዕላማ ኣምላኽ፡ ካብቲ ጸዋዒ እምበር፡ ካብ ግብሪ ምእንቲ ኸይከውን፡ ከይተወልዱ ኸለዉ፡ ጽቡቕ ኰነ ወይስ ክፉእ እውን ከይገበሩ ኸለዉ፡ 12 “እቲ ዓብዪ ነቲ ንእሽቶ ኺግዝኦ እዩ” ተባሂሉ እዩ ተነጊርዋ።+ 13 ከምቲ፡ “ንያእቆብ ኣፍቂረዮ፡ ንኤሳው ግና ጸሊአዮ” ዚብል እተጻሕፈ እዩ።+