ዘሁልቍ 16:39, 40 መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም 39 ካህን ኣልኣዛር ድማ ነቲ እቶም ዝነደዱ ዘቕረብዎ መትሓዚታት ሓዊ ነሓሲ ወሰዶ፡ ንመለበጢ እቲ መሰውኢ ኪኸውን ከኣ ቀጥቀጦ፣ 40 ከምቲ የሆዋ ብሙሴ ኣቢሉ እተዛረቦ እውን ገበረ። ካብ ዘርኢ ኣሮን ዘይኰነ ዘይተፈቕደሉ ሰብ* ኪዓጥን ኢሉ ናብ ቅድሚ የሆዋ ኸይቀርብ፡ ከም ቆራሕን ከም ደገፍቱን ከይከውን፡+ ንእስራኤላውያን መዘከርታ ዀነ።+ 1 ሳሙኤል 2:27, 28 መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም 27 ሓደ ናይ ኣምላኽ ሰብ ናብ ኤሊ መጺኡ ኸምዚ በሎ፦ “የሆዋ ኸምዚ ይብል፦ ‘ቤት ኣቦኻ ኣብ ግብጺ ባሮት ቤት ፈርኦን ከለዉስ፡ ብንጹርዶ ኣይተገለጽኩሎምን፧+ 28 ካህነይ ኰይኑ ኣብ መሰውእየይ ደዪቡ+ ኺስውእን ኪዓጥንን* ኣብ ቅድመይ ኤፎድ ኪጸውርን እውን ካብ ኵሎም ነገዳት እስራኤል ንዕኡ እየ ሓርየዮ፣+ ንቤት ኣቦኻ ኸኣ ኵሉ እቲ ብሓዊ ዚግበር መስዋእቲ እስራኤላውያን* ሂበዮም እየ።+ ሉቃስ 1:9 መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም 9 ከም ልምዲ ኽህነት፡ ናብ መቕደስ የሆዋ* ኣትዩ ዕጣን ኪዓጥን+ ግደ በጽሖ።+
39 ካህን ኣልኣዛር ድማ ነቲ እቶም ዝነደዱ ዘቕረብዎ መትሓዚታት ሓዊ ነሓሲ ወሰዶ፡ ንመለበጢ እቲ መሰውኢ ኪኸውን ከኣ ቀጥቀጦ፣ 40 ከምቲ የሆዋ ብሙሴ ኣቢሉ እተዛረቦ እውን ገበረ። ካብ ዘርኢ ኣሮን ዘይኰነ ዘይተፈቕደሉ ሰብ* ኪዓጥን ኢሉ ናብ ቅድሚ የሆዋ ኸይቀርብ፡ ከም ቆራሕን ከም ደገፍቱን ከይከውን፡+ ንእስራኤላውያን መዘከርታ ዀነ።+
27 ሓደ ናይ ኣምላኽ ሰብ ናብ ኤሊ መጺኡ ኸምዚ በሎ፦ “የሆዋ ኸምዚ ይብል፦ ‘ቤት ኣቦኻ ኣብ ግብጺ ባሮት ቤት ፈርኦን ከለዉስ፡ ብንጹርዶ ኣይተገለጽኩሎምን፧+ 28 ካህነይ ኰይኑ ኣብ መሰውእየይ ደዪቡ+ ኺስውእን ኪዓጥንን* ኣብ ቅድመይ ኤፎድ ኪጸውርን እውን ካብ ኵሎም ነገዳት እስራኤል ንዕኡ እየ ሓርየዮ፣+ ንቤት ኣቦኻ ኸኣ ኵሉ እቲ ብሓዊ ዚግበር መስዋእቲ እስራኤላውያን* ሂበዮም እየ።+