ዘሌዋውያን 2:3 መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም 3 እቲ ኻብቲ መስዋእቲ እኽሊ ዝተረፈ ድማ፡ ንኣሮንን ንደቁን ይኹን፣+ እዚ ኻብቲ ንየሆዋ ብሓዊ ዚግበር መስዋእቲ፡ ቅዱስ ቅዱሳን እዩ።+ ዘሌዋውያን 6:16 መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም 16 ነቲ ኻብኡ ዝተረፈ ድማ፡ ኣሮንን ደቁን ይብልዕዎ።+ ኣብ ቅዱስ ቦታ ኸም ቅጫ ይብልዕዎ። ኣብ ኣጸድ ድንኳን ምርኻብ ይብልዕዎ።+ ዘሌዋውያን 10:14 መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም 14 ሓኸለ መስዋእቲ ውዝወዛን እግሪ ቕዱስ ግደን+ እውን፡ ካብ መስዋእቲ ሕብረት እስራኤላውያን እጃምካን እጃም ደቅኻን ኪኸውን ተዋሂቡ እዩ እሞ፡ ንስኻን ኣወዳትካን ኣዋልድካን ኣብ ጽሩይ ቦታ ብልዕዎ።+ ዘሁልቍ 5:9 መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም 9 “‘ካብ እስራኤላውያን ንኻህን ዚቐርብ ኵሉ ቕዱስ መባእ፡+ ናቱ ይኹን።+ ዘሁልቍ 18:9 መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም 9 ካብቲ ብሓዊ ዚግበር ቅዱስ ቅዱሳን ዝዀነ መስዋእቲ፡ እቲ ዜቕርቡለይ ኵሉ መስዋእቲ፡ እንተላይ መስዋእቲ እኽሎምን+ መስዋእቲ ሓጢኣቶምን+ መስዋእቲ በደሎምን+ ንዓኻ ይኹን። እዚ ንዓኻን ንደቅኻን ቅዱስ ቅዱሳን ይኹን።
14 ሓኸለ መስዋእቲ ውዝወዛን እግሪ ቕዱስ ግደን+ እውን፡ ካብ መስዋእቲ ሕብረት እስራኤላውያን እጃምካን እጃም ደቅኻን ኪኸውን ተዋሂቡ እዩ እሞ፡ ንስኻን ኣወዳትካን ኣዋልድካን ኣብ ጽሩይ ቦታ ብልዕዎ።+
9 ካብቲ ብሓዊ ዚግበር ቅዱስ ቅዱሳን ዝዀነ መስዋእቲ፡ እቲ ዜቕርቡለይ ኵሉ መስዋእቲ፡ እንተላይ መስዋእቲ እኽሎምን+ መስዋእቲ ሓጢኣቶምን+ መስዋእቲ በደሎምን+ ንዓኻ ይኹን። እዚ ንዓኻን ንደቅኻን ቅዱስ ቅዱሳን ይኹን።