-
ዘፍጥረት 17:12መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም
-
-
12 ኣብ ብዘሎ ወለዶኹም፡ ኣብ መንጎኹም ዘሎ ወዲ ሸሞንተ መዓልቲ ዝዀነ ተባዕታይ ዘበለ ዅሉ፡ ኣብ ቤት እተወልደ ዘበለን ካብ ዘርእኻ ዘይኰነ ብገንዘብ እተዓደገ ዘበለ ጓናን ይገዘር።+
-
-
ዘፍጥረት 21:4መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም
-
-
4 ኣብርሃም ከኣ ንይስሃቅ ወዱ፡ ከምቲ ኣምላኽ ዝኣዘዞ፡ ወዲ ሸሞንተ መዓልቲ ምስ ኰነ፡ ገዘሮ።+
-
-
ሉቃስ 1:59መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም
-
-
59 ኣብ ሻምነይቲ መዓልቲ ነቲ ሕጻን ኪገዝርዎ መጹ፣+ ብስም ኣቦኡ ኸኣ ዘካርያስ ኢሎም ኪሰምይዎ ደለዩ።
-