-
ዘሌዋውያን 8:15መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም
-
-
15 ሙሴ ኸኣ ሓረዶ እሞ፡ ነቲ ደም+ ብኣጻብዑ ወሲዱ፡ ኣብ ኣቕርንቲ እቲ መሰውኢ፡ ኣብ ዙርያኡ ለኸዮ፣ ነቲ መሰውኢ ኸኣ ካብ ሓጢኣት ኣንጽሆ፣ ነቲ ዝተረፈ ደም ግና ኣብ እግሪ እቲ መሰውኢ ኣፍሰሶ፣ ኣብኡ ንምትዕራቕ ከኣ ቀደሶ።
-
-
ዘሌዋውያን 16:18መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም
-
-
18 “ናብቲ ኣብ ቅድሚ የሆዋ ዘሎ መሰውኢ+ ወጺኡ ኸኣ፡ ንዕኡ የተዓርቆ፣ ካብ ደም እቲ ዝራብዕን ካብ ደም እቲ ወጠጦን ወሲዱ ድማ፡ ኣብ ኣቕርንቲ እቲ መሰውኢ፡ ኣብ ዙርያኡ ይልከዮ።
-