ዘሌዋውያን 3:17 መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም 17 “‘እዚ ኣብ እትነብሩሉ ዅሉ ንውሉድ ወለዶኹም ናይ ሓዋሩ ሕጊ ይኹን፦ ስብሒ ዘበለ ወይ ደም+ ዘበለ ኣይትብልዑ።’” ዘሌዋውያን 17:13 መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም 13 “‘ሓደ ኻብ እስራኤላውያን ወይ ኣብ ማእከልኩም ዚነብር ጓና ዚብላዕ እንስሳ ዘገዳም ወይ ዑፍ ሃዲኑ እንተ ሒዙ፡ ነቲ ደሙ ኣፍሲሱ+ ብሓመድ ይኽደኖ። ዘዳግም 12:23 መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም 23 ደም ከይትበልዕ ጥራይ ብጽኑዕ ወስን፣+ ከመይሲ፡ ደም፡ ህይወት* እዩ፣+ ህይወት* ድማ ምስ ስጋ ኣይትብላዕ። ግብሪ ሃዋርያት 15:20 መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም 20 ግናኸ፡ ብጣኦታት ካብ ዝረኸሰን+ ካብ ምንዝርናን*+ ካብ ሕኑቕን* ካብ ደምን ኪርሕቁ ንጽሓፈሎም።+ ግብሪ ሃዋርያት 15:29 መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም 29 ንጣኦታት ካብ እተሰውአን+ ካብ ደምን+ ካብ ሕኑቕን*+ ካብ ምንዝርናን* ርሓቑ።+ ርእስኹም ካብዚ እንተ ሓሊኹም፡ ጽቡቕ ክትረኽቡ ኢኹም። ደሓን ኩኑ።”