1 ቈረንቶስ 6:9, 10 መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም 9 ወይስ ዓመጽቲ ንመንግስቲ ኣምላኽ ከም ዘይወርስዋዶ ኣይትፈልጡን ኢኹም፧+ ኣይትታለሉ። ኣመንዝራታት* ኰኑ፡+ ኣምለኽቲ ጣኦት ኰኑ፡+ ዘመውቲ ዀኑ፡+ ኣባታቶም ግብረ ሶዶም ኪግበር ዚፈቕዱ ዀኑ፡+ ግብረ ሶዶም ዚገብሩ* ዀኑ፡+ 10 ሰረቕቲ ዀኑ፡ ስሱዓት ኰኑ፡+ ሰኽራማት ኰኑ፡+ ተጻረፍቲ ዀኑ፡ ወይ ዘረፍቲ፡ ንመንግስቲ ኣምላኽ ኣይኪወርስዋን እዮም።+ ቈሎሴ 3:5 መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም 5 እምበኣር፡ ነቲ ኣብ ምድሪ ዘሎ ኣካላትኩም፡+ ማለት ምንዝርና፡* ርኽሰት፡ ፋሉል ፍትወተ ስጋ፡+ ክፉእ ትምኒት፡ ስስዐ፡ እዚ ድማ ኣምልኾ ጣኦት ቅተሉ። 1 ተሰሎንቄ 4:3 መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም 3 ፍቓድ ኣምላኽሲ ኽትቅደሱን+ ካብ ምንዝርና* ኽትርሕቁን እዩ።+
9 ወይስ ዓመጽቲ ንመንግስቲ ኣምላኽ ከም ዘይወርስዋዶ ኣይትፈልጡን ኢኹም፧+ ኣይትታለሉ። ኣመንዝራታት* ኰኑ፡+ ኣምለኽቲ ጣኦት ኰኑ፡+ ዘመውቲ ዀኑ፡+ ኣባታቶም ግብረ ሶዶም ኪግበር ዚፈቕዱ ዀኑ፡+ ግብረ ሶዶም ዚገብሩ* ዀኑ፡+ 10 ሰረቕቲ ዀኑ፡ ስሱዓት ኰኑ፡+ ሰኽራማት ኰኑ፡+ ተጻረፍቲ ዀኑ፡ ወይ ዘረፍቲ፡ ንመንግስቲ ኣምላኽ ኣይኪወርስዋን እዮም።+