-
ዘሁልቍ 29:12መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም
-
-
12 “‘ኣብ መበል 15 መዓልቲ እታ ሻውዐይቲ ወርሒ፡ ቅዱስ ኣኼባ ግበሩ። ዝዀነ ኸቢድ ዕዮ ኣይትዕየዩ፣ ሸውዓተ መዓልቲ ድማ ንየሆዋ በዓል ኣብዕሉ።+
-
-
ዘዳግም 16:13መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም
-
-
13 “ካብ ዓውድኻን ካብ መጽመቝ ዘይትኻን ካብ መጽመቝ ወይንኻን ምስ ኣከብካ፡ ሸውዓተ መዓልቲ በዓል ዳስ+ ኣብዕል።
-
-
ነህምያ 8:14-18መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም
-
-
14 ኣብቲ ኣብ ሻውዐይቲ ወርሒ ዚብዓል በዓል፡ እስራኤላውያን ኣብ ዳሳት ኪቕመጡ ኸም ዘለዎም የሆዋ ብሙሴ ኣቢሉ ዝኣዘዞ ድማ ኣብቲ ሕጊ ተጻሒፉ ረኸቡ፣+ 15 ኣብ ኵለን ከተማታቶምን ኣብ ብዘላ የሩሳሌምን ከኣ፡ “ናብ ኣኽራን ኬድኩም፡ ከምቲ እተጻሕፈ፡ ዳሳት ንምስራሕ ዚኸውን ልሙዕ ጨናፍር ካብ ኣእዋም ኣውልዕን ኣእዋም ጽሕድን ኣእዋም ኣደስን ኣእዋም ስየን ልሙዕ ጨናፍር ካልእ ኣእዋምን ኣምጽኡ” ኢሎም ኬስምዑን ኪእውጁን+ ከም ዘለዎም እውን ረኸቡ።
16 እቶም ህዝቢ ኸኣ ወጺኦም፡ ነፍሲ ወከፍ ኣብ ለልዕሊ ናሕሱን ኣብ ኣጸዳቶምን ኣብ ኣጸዳት ቤት እቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽን+ ኣብ ኣደባባይ ኣፍ ደገ ማይን+ ኣብ ኣደባባይ ኣፍ ደገ ኤፍሬምን+ ንርእሶም ዚኸውን ዳሳት ዚሰርሑሉ ኣምጽኡ። 17 በዚ ኸምዚ፡ ኵሎም እቶም ካብ ምርኮ እተመልሱ ጉባኤ፡ ዳሳት ሰሪሖም፡ ኣብ ዳሳት ተቐመጡ። እስራኤላውያንሲ ኻብ ዘመን እያሱ+ ወዲ ነዌ ኽሳዕ እታ መዓልቲ እቲኣ፡ ከምኡ ኣይገበሩን ነበሩ፣ ስለዚ፡ ኣዝዩ ዓብዪ ሓጐስ ኰነ።+ 18 ካብታ ቐዳመይቲ መዓልቲ ኽሳዕ እታ ዳሕረወይቲ መዓልቲ፡ መዓልቲ መዓልቲ ኻብታ መጽሓፍ ሕጊ እቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ይንበብ ነበረ።+ ሸውዓተ መዓልቲ ኸኣ በዓል ኣብዓሉ፣ ኣብታ ሻምነይቲ መዓልቲ ድማ፡ ከምቲ ስርዓት፡ ፍሉይ ኣኼባ ዀነ።+
-