ዘሁልቍ
29 “‘ኣብታ ሻውዐይቲ ወርሒ፡ ኣብ ቀዳመይቲ እታ ወርሒ፡ ቅዱስ ኣኼባ ግበሩ። ዝዀነ ኸቢድ ዕዮ ኣይትዕየዩ።+ መለኸት እትነፍሑላ መዓልቲ እያ።+ 2 ንየሆዋ ጥዑም ዝጨናኡ ዚሓርር መስዋእቲ ኪኸውን ከኣ፡ ሓደ ዝራብዕን ሓደ ድዑልን ሸውዓተ ገንሸል* ዓመትን፡ ኵላቶም ጥዑያት ሰውኡ፣ 3 ንመስዋእቲ እኽሎም ከኣ ብዘይቲ እተቘምጥዐ ድኹም ሓርጭ፡ ነቲ ዝራብዕ ሰለስተ ዓስራይ ኣፍ ኤፋ፡ ነቲ ድዑል ድማ ክልተ ዓስራይ ኣፍ ስፍሪ፡ 4 ነቶም ሸውዓተ ገንሸል ከኣ፡ ነንሓደ ገንሸል ሓደ ዓስራይ ኣፍ ስፍሪ፡ 5 ንምትዕራቕኩም ድማ ንመስዋእቲ ሓጢኣት ሓደ ወጠጦ ሰውኡ። 6 እዚ ኣብ ልዕሊ እቲ ኸከም ስርዓቱ ንየሆዋ ጥዑም ዝጨናኡ ኪኸውን ብሓዊ ዚግበር መስዋእቲ ዀይኑ ዚቐርብ ወርሓዊ ዚሓርር መስዋእትን መስዋእቲ እኽሉን+ ናይ ወትሩ ዚሓርር መስዋእትን መስዋእቲ እኽሉን+ ምስኡ ዚቐርብ መስዋእቲ መስተኡን+ እዩ።
7 “‘ኣብ ዓስረይቲ እታ ሻውዐይቲ ወርሒ፡ ቅዱስ ኣኼባ ግበሩ፡+ ርእስኹም ድማ ኣሕስሙ።* ዝዀነ ኸቢድ ዕዮ ኣይትዕየዩ።+ 8 ንየሆዋ ጥዑም ዝጨናኡ ዚሓርር መስዋእቲ ኪኸውን፡ ሓደ ዝራብዕን ሓደ ድዑልን ሸውዓተ ገንሸል ዓመትን፡ ኵላቶም ጥዑያት ኣቕርቡ።+ 9 ንመስዋእቲ እኽሎም ከኣ ብዘይቲ እተቘምጥዐ ድኹም ሓርጭ፡ ነቲ ዝራብዕ ሰለስተ ዓስራይ ኣፍ ስፍሪ፡ ነቲ ድዑል ድማ ክልተ ዓስራይ ኣፍ ስፍሪ፡ 10 ነቶም ሸውዓተ ገንሸል ከኣ፡ ነንሓደ ገንሸል ዓስራይ ኣፍ ስፍሪ፡ 11 ንመስዋእቲ ሓጢኣት ድማ ሓደ ወጠጦ፡ ብዘይካ እቲ ናይ ዕርቂ መስዋእቲ ሓጢኣትን+ ናይ ወትሩ ዚሓርር መስዋእትን መስዋእቲ እኽሉን ምስኡ ዚቐርብ መስዋእቲ መስተኡን ኣቕርቡ።
12 “‘ኣብ መበል 15 መዓልቲ እታ ሻውዐይቲ ወርሒ፡ ቅዱስ ኣኼባ ግበሩ። ዝዀነ ኸቢድ ዕዮ ኣይትዕየዩ፣ ሸውዓተ መዓልቲ ድማ ንየሆዋ በዓል ኣብዕሉ።+ 13 ንየሆዋ ጥዑም ዝጨናኡ ዚሓርር መስዋእቲ፡+ ማለት ብሓዊ ዚግበር መስዋእቲ ኪኸውን፡ 13 ዝራብዕን 2 ድዑልን 14 ገንሸል ዓመትን፡ ኵላቶም ጥዑያት ኣቕርቡ።+ 14 ንመስዋእቲ እኽሎም ከኣ ብዘይቲ እተቘምጥዐ ድኹም ሓርጭ፡ ነቶም 13 ዝራብዕ፡ ነንሓደ ዝራብዕ ሰለስተ ዓስራይ ኣፍ ስፍሪ፡ ነቶም 2 ድዑል ድማ፡ ነንሓደ ድዑል ክልተ ዓስራይ ኣፍ ስፍሪ፡ 15 ነቶም 14 ገንሸል ከኣ፡ ነንሓደ ገንሸል ዓስራይ ኣፍ ስፍሪ፡ 16 ንመስዋእቲ ሓጢኣት ድማ ሓደ ወጠጦ፡ ብዘይካ እቲ ናይ ወትሩ ዚሓርር መስዋእትን መስዋእቲ እኽሉን ምስኡ ዚቐርብ መስዋእቲ መስተኡን ኣቕርቡ።+
17 “‘ኣብታ ኻልአይቲ መዓልቲ፡ 12 ዝራብዕን 2 ድዑልን 14 ገንሸል ዓመትን፡ ኵላቶም ጥዑያት ኣቕርቡ፣+ 18 ንመስዋእቲ እኽሎምን ንመስዋእቲ መስተኦምን ከኣ፡ ነቶም ዝራብዓትን ነቶም ደዓውልን ነቶም ገንሸላትን ከምቲ እተሰርዐ በብቝጽሮም፡ 19 ንመስዋእቲ ሓጢኣት ድማ ሓደ ወጠጦ፡ ብዘይካ እቲ ናይ ወትሩ ዚሓርር መስዋእትን መስዋእቲ እኽሉን ምስኡ ዚቐርብ መስዋእቲ መስተኡን ኣቕርቡ።+
20 “‘ኣብታ ሳልሰይቲ መዓልቲ፡ 11 ዝራብዕን 2 ድዑልን 14 ገንሸል ዓመትን፡ ኵላቶም ጥዑያት ኣቕርቡ፣+ 21 ንመስዋእቲ እኽሎምን ንመስዋእቲ መስተኦምን ከኣ፡ ነቶም ዝራብዓትን ነቶም ደዓውልን ነቶም ገንሸላትን ከምቲ እተሰርዐ በብቝጽሮም፡ 22 ንመስዋእቲ ሓጢኣት ድማ ሓደ ወጠጦ፡ ብዘይካ እቲ ናይ ወትሩ ዚሓርር መስዋእትን መስዋእቲ እኽሉን መስዋእቲ መስተኡን ኣቕርቡ።+
23 “‘ኣብታ ራብዐይቲ መዓልቲ፡ 10 ዝራብዕን 2 ድዑልን 14 ገንሸል ዓመትን፡ ኵላቶም ጥዑያት ኣቕርቡ፣+ 24 ንመስዋእቲ እኽሎምን ንመስዋእቲ መስተኦምን ከኣ፡ ነቶም ዝራብዓትን ነቶም ደዓውልን ነቶም ገንሸላትን ከምቲ እተሰርዐ በብቝጽሮም፡ 25 ንመስዋእቲ ሓጢኣት ድማ ሓደ ወጠጦ፡ ብዘይካ እቲ ናይ ወትሩ ዚሓርር መስዋእትን መስዋእቲ እኽሉን መስዋእቲ መስተኡን ኣቕርቡ።+
26 “‘ኣብታ ሓምሸይቲ መዓልቲ፡ 9 ዝራብዕን 2 ድዑልን 14 ገንሸል ዓመትን፡ ኵላቶም ጥዑያት ኣቕርቡ፣+ 27 ንመስዋእቲ እኽሎምን ንመስዋእቲ መስተኦምን ከኣ፡ ነቶም ዝራብዓትን ነቶም ደዓውልን ነቶም ገንሸላትን ከምቲ እተሰርዐ በብቝጽሮም፡ 28 ንመስዋእቲ ሓጢኣት ድማ ሓደ ወጠጦ፡ ብዘይካ እቲ ናይ ወትሩ ዚሓርር መስዋእትን መስዋእቲ እኽሉን መስዋእቲ መስተኡን ኣቕርቡ።+
29 “‘ኣብታ ሻድሸይቲ መዓልቲ፡ 8 ዝራብዕን 2 ድዑልን 14 ገንሸል ዓመትን፡ ኵላቶም ጥዑያት ኣቕርቡ፣+ 30 ንመስዋእቲ እኽሎምን ንመስዋእቲ መስተኦምን ከኣ፡ ነቶም ዝራብዓትን ነቶም ደዓውልን ነቶም ገንሸላትን ከምቲ እተሰርዐ በብቝጽሮም፡ 31 ንመስዋእቲ ሓጢኣት ድማ ሓደ ወጠጦ፡ ብዘይካ እቲ ናይ ወትሩ ዚሓርር መስዋእትን መስዋእቲ እኽሉን መስዋእቲ መስተኡን ኣቕርቡ።+
32 “‘ኣብታ ሻውዐይቲ መዓልቲ፡ 7 ዝራብዕን 2 ድዑልን 14 ገንሸል ዓመትን፡ ኵላቶም ጥዑያት ኣቕርቡ፣+ 33 ንመስዋእቲ እኽሎምን ንመስዋእቲ መስተኦምን ከኣ፡ ነቶም ዝራብዓትን ነቶም ደዓውልን ነቶም ገንሸላትን ከምቲ እተሰርዓሎም በብቝጽሮም፡ 34 ንመስዋእቲ ሓጢኣት ድማ ሓደ ወጠጦ፡ ብዘይካ እቲ ናይ ወትሩ ዚሓርር መስዋእትን መስዋእቲ እኽሉን መስዋእቲ መስተኡን ኣቕርቡ።+
35 “‘ኣብታ ሻምነይቲ መዓልቲ፡ ፍሉይ ኣኼባ ግበሩ። ዝዀነ ኸቢድ ዕዮ ኣይትዕየዩ።+ 36 ንየሆዋ ጥዑም ዝጨናኡ ዚሓርር መስዋእቲ፡ ማለት ብሓዊ ዚግበር መስዋእቲ ኪኸውን፡ ሓደ ዝራብዕን ሓደ ድዑልን ሸውዓተ ገንሸል ዓመትን፡ ኵላቶም ጥዑያት ኣቕርቡ፣+ 37 ንመስዋእቲ እኽሎምን ንመስዋእቲ መስተኦምን ከኣ፡ ነቲ ዝራብዕን ነቲ ድዑልን ነቶም ገንሸላትን ከምቲ እተሰርዐ በብቝጽሮም፡ 38 ንመስዋእቲ ሓጢኣት ድማ ሓደ ወጠጦ፡ ብዘይካ እቲ ናይ ወትሩ ዚሓርር መስዋእትን መስዋእቲ እኽሉን መስዋእቲ መስተኡን ኣቕርቡ።+
39 “‘እዚ ኣብ ልዕሊ እቲ መስዋእቲ መብጽዓኹምን+ መስዋእቲ ፍታውኩምን+ ዚሓርር መስዋእትኹምን+ መስዋእቲ እኽልኹምን+ መስዋእቲ መስተኹምን+ መስዋእቲ ሕብረትኩምን፡+ ንየሆዋ ኣብ በዓላትኩም ክትስውእዎ ኢኹም።’”+ 40 ሙሴ ኸኣ፡ ኵሉ እቲ የሆዋ ንዕኡ ዝኣዘዞ፡ ንእስራኤላውያን ነገሮም።