-
ዘዳግም 3:19, 20መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም
-
-
19 ኣንስትኹምን ቈልዑኹምን ማልኩምን ጥራይ፡ (ብዙሓት ማል ከም ዘለዋኹም ድማ ኣጸቢቐ እፈልጥ እየ፡) ኣብተን ዝሃብኩኹም ከተማታት ይቀመጡ፣ 20 የሆዋ ኸምቲ ንዓኻትኩም ዝገበረልኩም፡ ንኣሕዋትኩም ከኣ ክሳዕ ዜዕርፎም፡ ንሳቶም እውን ነታ የሆዋ ኣምላኽኩም ኣብ ስግር ዮርዳኖስ ዚህቦም ምድሪ ኽሳዕ ዚርስተይዋ ጽንሑ። ድሕሪኡ፡ ነፍሲ ወከፍኩም ነናብታ ዝሃብኩኹም ርስቱ ትምለሱ።’+
-
-
እያሱ 1:14, 15መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም
-
-
14 ኣንስትኹምን ቈልዑኹምን ማልኩምን ኣብታ ሙሴ ኣብዚ ሸነኽ* ዮርዳኖስ ዝሃበኩም ምድሪ ኪቕመጡ እዮም፣+ ኵልኹም ሓያላት ጀጋኑ+ ግና ቀቅድሚ ኣሕዋትኩም ተሰሊፍኩም ተሳገሩ።+ 15 የሆዋ ኸምቲ ንዓኻትኩም ዘዕረፈኩም፡ ንኣሕዋትኩም ክሳዕ ዜዕርፎም፡ ንሳቶም እውን ነታ የሆዋ ኣምላኽኩም ዚህቦም ምድሪ ኽሳዕ ዚርስተይዋ፡ ሓግዝዎም። ድሕሪኡ፡ ናብታ ኣብ ምብራቓዊ ሸነኽ ዮርዳኖስ ሙሴ እቲ ጊልያ የሆዋ ዝሃበኩም ምድሪ፡ ናብታ ኽትርስተይዋ እተዋህበትኩም ምድሪ ተመሊስኩም ተረስተይዋ።’”+
-
-
እያሱ 13:8መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም
-
-
8 እቲ ዝተረፈ ፍርቂ ነገድን ሮቤላውያንን ጋዳውያንን፡ ከምቲ ሙሴ እቲ ጊልያ የሆዋ ዝሃቦም፡ እቲ ሙሴ ብሸነኽ ምብራቕ ዮርዳኖስ ዝሃቦም ርስቶም ወሰዱ፦+
-