ዘዳግም 17:2, 3 መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም 2 “ኣብ መንጎኻ፡ ኣብ ሓንቲ ኻብተን የሆዋ ኣምላኽካ ዚህበካ ኸተማታትካ፡ ሰብኣይ ወይ ሰበይቲ ኣብ ቅድሚ ኣዒንቲ የሆዋ ኽፉእ ኪገብርን ኪዳኑ ኺጥሕስን እንተ ተረኺቡ፡+ 3 ከይዱ ኸኣ ኣነ ንዘይኣዘዝክዎ+ ኻልኦት ኣማልኽቲ እንተ ኣምሊኹ፡ ንዓታቶም ወይ ንጸሓይ ወይ ንወርሒ ወይ ንዅሎም ሰራዊት ሰማያት+ ድማ እንተ ሰጊዱሎም፡ 2 ነገስት 17:16 መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም 16 ኵሉ ትእዛዛት የሆዋ ኣምላኾም ሓዲጎም ድማ፡ ፍሱስ ምስልታትን ክልተ ምራኽን+ ዓንዲ ኣምልኾን*+ ገበሩ፣ ንዅሎም ሰራዊት ሰማያት ከኣ ሰገዱሎም፡+ ንበዓል እውን ኣገልገልዎ።+ ህዝቅኤል 8:16 መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም 16 ስለዚ፡ ናብ ናይ ውሽጢ ኣጸድ ቤት የሆዋ ኣምጽኣኒ።+ ኣብኡ ኣብ ኣፍ ደገ ቤተ መቕደስ የሆዋ፡ ኣብ መንጎ እቲ ገበላን እቲ መሰውእን፡ ኣስታት 25 ሰብኡት ዝባኖም ናብ ቤተ መቕደስ የሆዋ፡ ገጾም ድማ ናብ ምብራቕ ገይሮም ነበሩ፣ ናብታ ብምብራቕ ዘላ ጸሓይ ይሰግዱ ነበሩ።+
2 “ኣብ መንጎኻ፡ ኣብ ሓንቲ ኻብተን የሆዋ ኣምላኽካ ዚህበካ ኸተማታትካ፡ ሰብኣይ ወይ ሰበይቲ ኣብ ቅድሚ ኣዒንቲ የሆዋ ኽፉእ ኪገብርን ኪዳኑ ኺጥሕስን እንተ ተረኺቡ፡+ 3 ከይዱ ኸኣ ኣነ ንዘይኣዘዝክዎ+ ኻልኦት ኣማልኽቲ እንተ ኣምሊኹ፡ ንዓታቶም ወይ ንጸሓይ ወይ ንወርሒ ወይ ንዅሎም ሰራዊት ሰማያት+ ድማ እንተ ሰጊዱሎም፡
16 ኵሉ ትእዛዛት የሆዋ ኣምላኾም ሓዲጎም ድማ፡ ፍሱስ ምስልታትን ክልተ ምራኽን+ ዓንዲ ኣምልኾን*+ ገበሩ፣ ንዅሎም ሰራዊት ሰማያት ከኣ ሰገዱሎም፡+ ንበዓል እውን ኣገልገልዎ።+
16 ስለዚ፡ ናብ ናይ ውሽጢ ኣጸድ ቤት የሆዋ ኣምጽኣኒ።+ ኣብኡ ኣብ ኣፍ ደገ ቤተ መቕደስ የሆዋ፡ ኣብ መንጎ እቲ ገበላን እቲ መሰውእን፡ ኣስታት 25 ሰብኡት ዝባኖም ናብ ቤተ መቕደስ የሆዋ፡ ገጾም ድማ ናብ ምብራቕ ገይሮም ነበሩ፣ ናብታ ብምብራቕ ዘላ ጸሓይ ይሰግዱ ነበሩ።+