ዘጸኣት 20:12 መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም 12 “ኣብታ የሆዋ ኣምላኽካ ዚህበካ ምድሪ ዕድሜኻ ምእንቲ ኺነውሕ፡+ ኣቦኻን ኣዴኻን ኣኽብር።+ ዘዳግም 27:16 መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም 16 “‘ኣቦኡን ኣዲኡን ዚንዕቕ ርጉም ይኹን።’+ (ኵሉ ህዝቢ ኸኣ፡ ‘ኣሜን!’ ይበል።) ምሳሌ 1:8 መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም 8 ወደየ፡ ተግሳጽ ኣቦኻ ስማዕ፣+ትምህርቲ* ኣዴኻ ድማ ኣይትሕደግ።+ ኤፌሶን 6:1 መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም 6 ኣቱም ውሉዳት፡ እዚ ቕኑዕ እዩ እሞ፡ ንወለድኹም ከም ፍቓድ ጐይታ ተኣዘዝዎም።+