ዘጸኣት 20:12 መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም 12 “ኣብታ የሆዋ ኣምላኽካ ዚህበካ ምድሪ ዕድሜኻ ምእንቲ ኺነውሕ፡+ ኣቦኻን ኣዴኻን ኣኽብር።+ ዘዳግም 21:18-21 መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም 18 “ሓደ ሰብ ነቓጽን ዓላውን ንኣቦኡን ንኣዲኡን ዘይእዘዝን ወዲ እንተ ኣልይዎ፡+ ኪእርምዎ ፈቲኖም ከኣ እንተ ዘይሰሚዕዎም፡+ 19 ኣቦኡን ኣዲኡን ሒዞም ናብ ዓበይቲ፡ ናብ ኣፍ ደገ ኸተማኡ የምጽእዎ፣ 20 ነቶም ዓበይቲ ኸተማኡ ድማ፡ ‘እዚ ወድና እዚ ነቓጽን ዓላውን እዩ፡ ኣይእዘዘናን እውን እዩ። ህሩፍን+ ሰኽራምን+ ከኣ እዩ’ ይበልዎም። 21 ኵሎም ሰብ እታ ኸተማኡ ድማ ብዳርባ እምኒ ይቕተልዎ። ንኽፉእ ካብ ማእከልካ ኣርሕቆ፣ ኵሉ እስራኤል ድማ ሰሚዑ ኺፈርህ እዩ።+ ምሳሌ 20:20 መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም 20 ንኣቦኡን ንኣዲኡን ዚረግም፡ጸልማት ኪመጽእ ከሎ፡ መብራህቱ ይጠፍእ።+ ምሳሌ 30:17 መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም 17 ነታ ንኣቦ እተላግጸሉ፡ ንኣደ ኸይትእዘዛ ኸኣ እትንዕቃ ዓይኒ፡+ኳዃት ስንጭሮ* ኺጕጥጕጥዋ፡ጨቓዊት ንስሪ ድማ ኪበልዕዋ እዮም።+ ማቴዎስ 15:4 መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም 4 ንኣብነት፡ ኣምላኽ፡ ‘ኣቦኻን ኣዴኻን ኣኽብር፡’+ ከምኡ ድማ ‘ንኣቦኡ ወይ ንኣዲኡ ሕማቕ ዚዛረብ* ይቀተል’ ኢሉ እዩ።+
18 “ሓደ ሰብ ነቓጽን ዓላውን ንኣቦኡን ንኣዲኡን ዘይእዘዝን ወዲ እንተ ኣልይዎ፡+ ኪእርምዎ ፈቲኖም ከኣ እንተ ዘይሰሚዕዎም፡+ 19 ኣቦኡን ኣዲኡን ሒዞም ናብ ዓበይቲ፡ ናብ ኣፍ ደገ ኸተማኡ የምጽእዎ፣ 20 ነቶም ዓበይቲ ኸተማኡ ድማ፡ ‘እዚ ወድና እዚ ነቓጽን ዓላውን እዩ፡ ኣይእዘዘናን እውን እዩ። ህሩፍን+ ሰኽራምን+ ከኣ እዩ’ ይበልዎም። 21 ኵሎም ሰብ እታ ኸተማኡ ድማ ብዳርባ እምኒ ይቕተልዎ። ንኽፉእ ካብ ማእከልካ ኣርሕቆ፣ ኵሉ እስራኤል ድማ ሰሚዑ ኺፈርህ እዩ።+