ዘጸኣት 23:20 መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም 20 “ኣብ መገዲ ኺሕልወካን ናብታ ዘዳለኽዋ ቦታ ኼእትወካን+ መልኣኸይ ቀቅድሜኻ እልእኽ ኣለኹ።+ 1 ነገስት 22:19 መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም 19 ሚካያ ኸኣ ከምዚ በለ፦ “ስለዚ፡ ቃል የሆዋ ስማዕ፦ የሆዋ ኣብ ዝፋኑ ተቐሚጡ፡+ ኵሉ ሰራዊት ሰማያት ድማ ኣብ ጥቓኡ፡ ኣብ የማነ ጸጋሙ ቘይሙ ረኣኹ።+ ዳንኤል 10:13 መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም 13 መስፍን+ መንግስቲ ፋርስ ግና 21 መዓልቲ ኣንጻረይ ቈይሙ። ድሕሪኡ ግና፡ ሚካኤል*+ ሓደ ኻብቶም ኣውራታት መሳፍንቲ* ኺሕግዘኒ መጺኡ፣ ኣነ እውን ኣብኡ ኣብ ጥቓ ነገስታት ፋርስ እየ ጸኒሐ።
13 መስፍን+ መንግስቲ ፋርስ ግና 21 መዓልቲ ኣንጻረይ ቈይሙ። ድሕሪኡ ግና፡ ሚካኤል*+ ሓደ ኻብቶም ኣውራታት መሳፍንቲ* ኺሕግዘኒ መጺኡ፣ ኣነ እውን ኣብኡ ኣብ ጥቓ ነገስታት ፋርስ እየ ጸኒሐ።