10 ከመይሲ፡ ካብ ግብጺ ኽትወጹ ኸለኹም፡ የሆዋ ንማያት ቀይሕ ባሕሪ ኣብ ቅድሜኹም ከም ዘንቀጾ፡+ ነቶም ኣብ ስግር ዮርዳኖስ ዝነበሩ ዘጥፋእኩምዎም ክልተ ነገስታት ኣሞራውያን፡ ማለት ንሲሆንን+ ንዖግን+ ከኣ ዝገበርኩምዎም ሰሚዕና ኢና። 11 የሆዋ ኣምላኽኩም ድማ ኣብ ላዕሊ ኣብ ሰማያትን ኣብ ታሕቲ ኣብ ምድርን ኣምላኽ እዩ እሞ፡ እዚ ምስ ሰማዕና፡ ልብና መኺኹ፡ ብሰንክኹም ከኣ ሓደ እኳ ትብዓት ኣይነበሮን።+