-
ዘጸኣት 23:29መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም
-
-
29 እታ ምድሪ ምእንቲ ኸይትባድም፡ ኣራዊት መሮር ድማ ምእንቲ ኸይበዝሑኻ፡ ብሓንቲ ዓመት ካብ ቅድሜኻ ኣይክሰጕጎምን እየ።+
-
-
እያሱ 13:2-6መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም
-
-
2 እታ ዝተረፈት ምድሪ እዚኣ እያ፦+ ኵሉ ዞባታት ፍልስጥኤማውያንን ኵሎም ጌሹራውያንን፡+ 3 (ካብቲ ኣብ ምብራቕ* ግብጺ ዘሎ ጨንፈር ኒል፡* ንሰሜን ክሳብ እቲ ምስ ሃገር ከነኣን ዚቝጸር ዝነበረ ዶብ ዔቅሮን፡)+ እንተላይ እቲ ናይቶም ሓሙሽተ ጐይተት ፍልስጥኤማውያን፡+—ማለት ጋዛውያንን ኣሽዶዳውያንን+ ኣሽቀሎናውያንን+ ጊታውያንን+ ዔቅሮናውያንን፣+ እቲ ናይ ዓዊም+ 4 ንደቡብ፣ ኵላ ምድሪ ከነኣናውያን፣ ሜዓራ ናይ ሲዶናውያን+ ክሳብ ኣፌቅ፡ ክሳብ ዶብ ኣሞራውያን፣ 5 ምድሪ ጌባላውያንን+ ኵሉ ናይ ሊባኖስን ንምብራቕ፡ ካብታ ኣብ እግሪ ኸረን ሄርሞን ዘላ በዓል-ጋድ ክሳብ ለቦ-ሓማት፣*+ 6 ኣብ ኣኽራን ካብ ሊባኖስ+ ክሳብ ሚስረፎት-ማይም+ ዚነብሩ ዅሎም ነበርቲ፣ ኵሎም ሲዶናውያን።+ ኣነ ኻብ ቅድሚ እስራኤላውያን ክሰጕጎም* እየ።+ ጥራይ ንስኻ፡ ከምቲ ዝኣዘዝኩኻ፡ ንእስራኤል ርስቲ ኽትከውን መድባ።+
-