መዝሙር 18:6 መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም 6 ብጭንቀይ ንየሆዋ ጸዊዐዮ፡ናብ ኣምላኸይ ከኣ ኣእውየ። ካብ መቕደሱ ድምጸይ ሰሚዑ፡+ኣብ ቅድሚኡ ዘቕረብክዎ ኣውያተይ ኣብ ኣእዛኑ በጺሑ።+ መዝሙር 31:1 መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም 31 ኦ የሆዋ፡ ኣባኻ ተማዕቊበ ኣለኹ።+ ከቶ ኣይተሕፍረኒ።+ ስለ ጽድቅኻ ኢልካ ኣናግፈኒ።+ መዝሙር 31:9 መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም 9 ኦ የሆዋ፡ ኣብ ጭንቂ እየ ዘለኹ እሞ፡ ሞገስ ኣርእየኒ። ጓሂ ንኣዒንተይ ኰነ ንብዘሎ ሰብነተይ* ኣድኪምዎ።+ መዝሙር 34:19 መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም 19 ሽግር* ጻድቕ ብዙሕ እዩ፣+የሆዋ ግና ካብ ኵሉ የናግፎ።+ መዝሙር 143:5 መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም 5 ናይ ቀደም መዓልትታት እዝክር፡ንዅሉ ተግባርካ አስተንትነሉ፡+ብዛዕባ ግብሪ ኣእዳውካ ድማ ብህንጥዮት ኣጸቢቐ እሓስብ* እየ።