-
1 ዜና መዋእል 13:1-5መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም
-
-
13 ዳዊት ድማ ምስ ኣሕሉቕ ሽሕን ኣሕሉቕ ሚእትን ምስ ኵሎም መራሕትን ተማኸረ።+ 2 ዳዊት ከኣ ንዅሎም ጉባኤ እስራኤል፡ “ንዓኻትኩም ጽቡቕ እንተ መሲሉኩም፡ ኣብ የሆዋ ኣምላኽና እውን ቅቡል እንተ ዀይኑ፡ ናባና መጺኦም ምእንቲ ኺእከቡ፡ ኣብ ኵላ ምድሪ እስራኤል ናብ ዘለዉ ዝተረፉ ኣሕዋትናን ናብቶም ኣብ ከተማታቶም+ መምስ መጓሰዪአን ዘለዉ ኻህናትን ሌዋውያንን ንልኣኽ። 3 ንታቦት+ ኣምላኽና ኸኣ ነምጽኣዮ” በሎም። ከመይሲ፡ ብዘመን ሳኦል ኣይተገደሱሉን ነበሩ።+ 4 ንዅሎም እቶም ህዝቢ ቕኑዕ መሲልዎም ነበረ እሞ፡ ኵሎም እቶም ጉባኤ ኸምኡ ኺገብሩ ተሰማምዑ። 5 ዳዊት ድማ ንታቦት እቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ካብ ቂርያት-የዓሪም ንምምጻእ፡+ ካብቲ ፈለግ* ግብጺ ኽሳብ ለቦ-ሓማት* ንዝነበሩ ዅሎም እስራኤል ኣከቦም።+
-