-
ኢሳይያስ 37:14-20መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም
-
-
14 ህዝቅያስ ድማ ነተን ደብዳበታት ካብ ኢድ እቶም ልኡኻት ተቐቢሉ ኣንበበን። ህዝቅያስ ከኣ ናብ ቤት የሆዋ ደዪቡ ኣብ ቅድሚ የሆዋ ዘርግሐን።*+ 15 ህዝቅያስ ድማ ናብ የሆዋ+ ኸምዚ ኢሉ ጸለየ፦ 16 “ኦ ኣብ ልዕሊ* ኪሩቤል ኣብ ዝፋን እትቕመጥ የሆዋ ጐይታ ሰራዊት፡+ ኣምላኽ እስራኤል፡ ንስኻ በይንኻ ናይ ኵለን መንግስትታት ምድሪ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ኢኻ። ንሰማያትን ንምድርን ንስኻ ኢኻ ጌርካዮ። 17 ኦ የሆዋ፡ እዝንኻ ኣድንን እሞ ስማዕ።+ ኦ የሆዋ፡ ኣዒንትኻ ኽፈት እሞ ርአ።+ ሰናክሪብ ነቲ ህያው ኣምላኽ ንምብጫው ዝለኣኾ ዅሉ ቓላት ስማዕ።+ 18 ኦ የሆዋ፡ ነገስታት ኣሶር ንዅለን ሃገራትን ንምድሮምን ከም ዘባደሙስ ሓቂ እዩ።+ 19 ንኣማልኽቶም እውን ናብ ሓዊ ደርብዮምዎም እዮም፣+ ከመይሲ፡ ንሳቶም ብኢድ ሰብ እተሰርሑ ዕንጨይትን እምንን እዮም እምበር፡ ኣማልኽቲ ኣይኰኑን።+ ስለዚ እዮም ዘጥፍእዎም። 20 ሕጂ ግና፡ ኦ የሆዋ ኣምላኽና፡ ኵለን መንግስትታት ምድሪ ንስኻ በይንኻ ኣምላኽ ከም ዝዀንካ ምእንቲ ኺፈልጣስ፡ ኦ የሆዋ፡ ካብ ኢዱ ኣድሕነና።”+
-