33 “‘ስለዚ፡ የሆዋ ብዛዕባ ንጉስ ኣሶር ከምዚ ይብል፦+
“ናብዛ ኸተማ እዚኣ ኣይኪኣቱን፡+
ኣብኣ ድማ ፍላጻ ኣይኪውርውርን፡
ብዋልታ መኪቱ ኸኣ ኣይኪገጥመላን፡
ዕርዲ ኸበባ እውን ኣይኪዅምረላን እዩ።”’+
34 ‘በታ ዝመጸላ መገዲ ኺምለስ እዩ፣
ናብዛ ኸተማ እዚኣ እውን ኣይኪኣቱን እዩ’ ይብል የሆዋ።
35 ‘ነዛ ኸተማ እዚኣ ድማ ምእንታይን+
ምእንቲ ዳዊት ጊልያይን+ ኢለ ኽከላኸለላን+ ከድሕናን እየ።’”