-
2 ዜና መዋእል 26:11-13መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም
-
-
11 ዑዝያ ኸኣ ንውግእ እተዓጥቀ ሰራዊት ነበሮ። ብኽፍልታት ተወዲቦም ድማ ንወተሃደራዊ ወፈራ ይወጹ ነበሩ። ንዓታቶም ከኣ የዒኤል እቲ ጸሓፍን+ ማዓስያ እቲ ሓለቓን፡ ኣብ ትሕቲ ትእዛዝ እቲ ሓደ ኻብቶም መሳፍንቲ ንጉስ ዝዀነ ሓናንያ ዀይኖም ቈጸርዎምን መዝገብዎምን።+ 12 ብዘሎ ቝጽሪ እቶም ኣብ ልዕሊ እቶም ሓያላት ጀጋኑ ዝዀኑ ርእስታት ማይ ቤታት፡ 2,600 ነበረ። 13 ኣብ ትሕቲ ትእዛዞም ዝነበረ ዕጡቕ ሰራዊት፡ 307,500 ነበረ፣ እዚ ድማ ንንጉስ ኣንጻር ጸላእቱ ዚሕግዞ ንውግእ እተዳለወ ሓያል ሰራዊት ነበረ።+
-