ዘፍጥረት 28:19 መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም 19 ነታ ቦታ እቲኣ ድማ ቤት-ኤል* ኢሉ ሰመያ፣ ቅድሚኡ ግና ስም እታ ኸተማ ሉዝ ነበረ።+ እያሱ 18:11 መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም 11 ንነገድ ብንያም ከከም ዓሌቶም ዕጫ ወጸሎም፣ እቲ ብዕጫ ዝወጸሎም ዓዲ ኸኣ ኣብ መንጎ ደቂ ይሁዳን+ ኣብ መንጎ ደቂ ዮሴፍን+ ነበረ። እያሱ 18:13 መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም 13 ካብኡ ድማ እቲ ዶብ ናብ ሉዝ፡ ናብ ደቡባዊ ዓቐበት ሉዝ፡ ንሳ ኸኣ ቤት-ኤል፡+ ሓለፈ፣ እቲ ዶብ በቲ ኣብ ደቡብ ታሕተዋይ ቤት-ሖሮን+ ዘሎ ኸረን ኣቢሉ ናብ ዓጣሮት-ኣዳር+ ወረደ።
13 ካብኡ ድማ እቲ ዶብ ናብ ሉዝ፡ ናብ ደቡባዊ ዓቐበት ሉዝ፡ ንሳ ኸኣ ቤት-ኤል፡+ ሓለፈ፣ እቲ ዶብ በቲ ኣብ ደቡብ ታሕተዋይ ቤት-ሖሮን+ ዘሎ ኸረን ኣቢሉ ናብ ዓጣሮት-ኣዳር+ ወረደ።