-
እዝራ 4:1-3መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም
-
-
4 ጸላእቲ ይሁዳን ብንያምን፡+ እቶም እተመልሱ ምሩኻት+ ንየሆዋ ኣምላኽ እስራኤል ቤተ መቕደስ ይሃንጹሉ ኸም ዘለዉ ምስ ሰምዑ፡ 2 ብኡብኡ ናብ ዘሩባቤልን ናብ ርእስታት ማይ ቤታትን ቀሪቦም፡ “ንሕና እውን ከማኻትኩም ንኣምላኽኩም ኢና እነምልኽ፣*+ ካብ ዘመን እቲ ናብዚ ዘምጽኣና ኤሳር-ሓዶን+ ንጉስ ኣሶር ኣትሒዝና ኸኣ፡+ ንዕኡ ሰዊእና ኢና እሞ፡ ምሳኻትኩም ንህነጽ” በልዎም። 3 ዘሩባቤልን እያሱን እቶም ዝተረፉ ርእስታት ማይ ቤታት እስራኤልን ግና፡ “ከምቲ ንጉስ ቂሮስ ንጉስ ፋርስ ዝኣዘዘና፡+ ንሕና በይንና ንየሆዋ ኣምላኽ እስራኤል ክንሃንጸሉ ኢና እሞ፡ ንስኻትኩም ንኣምላኽና ቤት ኣብ ምህናጽ ግደ የብልኩምን” በልዎም።+
-