መዝሙር 20:1 መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም 20 የሆዋ ብመዓልቲ ጭንቂ ይመልሰልካ። ስም ኣምላኽ ያእቆብ የዕቍብካ።+ መዝሙር 79:9 መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም 9 ኦ ኣምላኽ ድሕነትና፡+ምእንቲ እቲ ኽቡር ስምካ ኢልካ ርድኣና፣ምእንቲ ስምካ ኢልካ ኣናግፈና፡ ሓጢኣትና እውን ይቕረ በለልና።*+ ምሳሌ 18:10 መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም 10 ስም የሆዋ ጽኑዕ ግምቢ እዩ።+ ጻድቕ ናብኡ ጐይዩ ይዕቈብ።*+