ንኣላዪ። ናይ ዳዊት መዝሙር።
20 የሆዋ ብመዓልቲ ጭንቂ ይመልሰልካ።
ስም ኣምላኽ ያእቆብ የዕቍብካ።+
2 ካብ መቕደስ ረድኤት ይስደደልካ፣+
ካብ ጽዮን ከኣ ይደግፍካ።+
3 ንዅሉ መባእካ ይዘክሮ፣
ንዚሓርር መስዋእትኻ ድማ ብሞገስ ይቀበሎ። (ሴላ)
4 ትምኒት ልብኻ ይሃብካ፣+
ኣብ ኵሉ ውጥናትካ እውን ኣሳልጦ ይሃብካ።
5 ብግብርታት ድሕነትካ እልል ክንብል፡+
ብስም ኣምላኽና ኸኣ ሰንደቕ ዕላማና ኸነልዕል ኢና።+
የሆዋ ንዅሉ ልማኖኻ ይፈጽመልካ።
6 የሆዋ ንቕቡኡ ኸም ዜድሕኖ ሕጂ ፈሊጠ።+
በቲ ብየማነይቲ ኢዱ ዚገብሮ ዓብዪ ድሕነት+
ካብቲ ቕዱስ ሰማያቱ ይምልሰሉ።
7 ገሊኦም ብሰረገላታት፡ ገሊኦም እውን ብኣፍራስ ይእመኑ፣+
ንሕና ግና ስም የሆዋ ኣምላኽና ኢና እንጽውዕ።+
8 ንሳቶም ተረዅሚሾምን ወዲቖምን፣
ንሕና ግና ተንሲእናን ቌምናን።+
9 ኦ የሆዋ፡ ንንጉስ ኣድሕኖ!+
በታ እንጠርዓላ መዓልቲ ኺሰምዓና እዩ።+