መዝሙር 22:16 መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም 16 ኣኽላባትሲ ኸቢቦምኒ፣+ከም ዕስለ ገበርቲ እከይ ብዙርያይ ሓጺሮምኒ፣+ከም ኣንበሳ ንኣእዳወይን ንኣእጋረይን የጥቅዕዎ።+ መዝሙር 59:3 መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም 3 እንሆ፡ ኣድብዮም ይጽበዩኒ* ኣለዉ፣+ብርቱዓት የጥቅዑኒ ኣለዉ፣ግናኸ፡ ኦ የሆዋ፡ ስለ ዝዓሎኹ ወይ ስለ ዝሓጣእኩ ኣይኰነን።+