መዝሙር 19:7 መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም 7 ሕጊ የሆዋ ፍጹም እዩ፡+ ሓይሊ የሐድስ።*+ መዘኻኸሪታት የሆዋ እሙን እዩ፡+ ንዘይለበመ የጥብቦ።+ መዝሙር 112:1 መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም 112 ንያህ ወድስዎ!*+ א [ኣሌፍ] ንየሆዋ ዚፈርሆ ሰብ ሕጉስ እዩ፣+ב [ቤት] ንሱ ብትእዛዛቱ ኣዝዩ ባህ ይብሎ።+ ማቴዎስ 5:3 መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም 3 “መንፈሳዊ ነገራት ዚሃርፉ፡* መንግስተ ሰማያት ናታቶም እያ እሞ፡ ሕጉሳት እዮም።+ ያእቆብ 1:25 መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም 25 እቲ ኣብቲ ፍጹም ሕጊ ሓርነት ኣተኲሩ ዚጥምትን+ ብእኡ ዚጸንዕን ግና፡ ግብሪ ዚገብር እምበር፡ ዚርስዕ ሰማዒ ኣይኰነን፣ ብግብሩ ድማ ሕጉስ ኪኸውን እዩ።+