19 ሽዑ፡ እቲ ቐቅድሚ እቲ ሰፈር ዚኸይድ ዝነበረ መልኣኽ እቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ+ ተላዒሉ ናብ ድሕሪኦም ከደ፣ እቲ ቕድሚኦም ዝነበረ ዓንዲ ደበና ኸኣ ናብ ድሕሪኦም ግዒዙ ኣብኡ ደው በለ።+ 20 ኣብ መንጎ ሰፈር ግብጻውያንን ሰፈር እስራኤልን እውን ኰነ።+ በቲ ሓደ ሸነኽ፡ ደበናን ጸልማትን ነበረ። በቲ ሓደ ሸነኽ ግና፡ ነታ ለይቲ ኣብርሃ።+ ምልእቲ ለይቲ ኸኣ፡ እቲ ሓደ ሰፈር ናብቲ ሓደ ሰፈር ኣይቀረበን።