ኢሳይያስ 1:15 መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም 15 ኣእዳውኩም ምስ እትዝርግሑ፡ኣዒንተይ ካባኻትኩም ክሓብእ እየ።+ ብዙሕ እኳ እንተ ጸለኹም፡+ኣይሰምዓኩምን እየ፣+ኣእዳውኩም ብደም መሊአን እየን።+ ሚክያስ 3:4 መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም 4 ሽዑ፡ ናብ የሆዋ ኺምህለሉ እዮም፣ንሱ ግና ኣይኪምልሰሎምን እዩ። በቲ ግዜ እቲ፡ ብሰንኪ እቲ እኩይ ግብርታቶም፡ገጹ ኺሓብኣሎም እዩ።+