መዝሙር 25:12, 13 መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም 12 ንየሆዋ ዚፈርሆ ሰብ መን እዩ፧+ ንዕኡ እታ ዚሓርያ መገዲ ኺምህሮ እዩ።+ נ [ኑን] 13 ንሱ* ጽቡቕ ይረክብ፣+ዘርኡ እውን ንምድሪ ይርስተያ።+ መዝሙር 37:25 መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም 25 ጐበዝ ነይረ፣ ሕጂ ድማ ኣሪገ ኣለኹ፣ግናኸ፡ ጻድቕ ተሓዲጉ፡ዘርኡ ኸኣ እንጌራ ኼናድዩ ኣይረኣኹን።+ መዝሙር 37:26 መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም 26 ወትሩ ብናጻ የለቅሕ፣+ዘርኡ ድማ ይባረኹ።