9 ድሕርዚ ረኣኹ፡ እንሆ፡ ካብ ኵሎም ኣህዛብን ነገዳትን ህዝብታትን ቋንቋታትን እተኣከቡ፡+ ሓደ እኳ ኪቘጽሮም ዘይክእል ብዙሓት ህዝቢ፡ ወለል ዚብል ጻዕዳ ኽዳውንቲ ተኸዲኖም+ ኣብ ቅድሚ እቲ ዝፋንን ኣብ ቅድሚ እቲ ገንሸልን ደው ኢሎም ረኣኹ፣ ኣብ ኣእዳዎም ከኣ ጨናፍር ስየ ሒዞም ነበሩ።+ 10 “ድሕነት ካብቲ ኣብ ዝፋን እተቐመጠ ኣምላኽናን+ ካብቲ ገንሸልን እዩ”+ እናበሉ ኸኣ ዓው ኢሎም ይጭድሩ ነበሩ።