19 ህይወትን ሞትን፡ በረኸትን መርገምን ኣብ ቅድሜኻ ኣንቢረልካ ኸም ዘለኹ፡+ ኣነ ሎሚ ሰማያትን ምድርን ንምስክር ጸዊዐ ኣለኹ። ንስኻን ዘርእኻን ብህይወት ምእንቲ ኽትነብርሲ፡ ህይወት ሕረ፣+ 20 እዚ ኪኸውን ከኣ፡ ንየሆዋ ኣምላኽካ ኣፍቅሮ፡+ ድምጹ ስማዕ፡ ናብኡ እውን ልገብ።+ ንሱስ ህይወትካ እዩ፡ ብእኡ እውን ኣብታ የሆዋ ንኣቦታትካ ኣብርሃምን ይስሃቅን ያእቆብን ኪህቦም ዝመሓለሎም ምድሪ ነዊሕ ዕድመ ኽትነብር ኢኻ።”+