እዮብ 33:4 መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም 4 መንፈስ ኣምላኽ እዩ ገይሩኒ፣+ትንፋስ እቲ ዅሉ ዚኽእል ድማ እዩ ህያው ገይሩኒ።+ ኤርምያስ 2:13 መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም 13 ‘ህዝበይሲ ኽልተ ኽፉእ ነገር ገይሩ እዩ፦ ንዓይ ንምንጪ ህያው ማይ ሓዲጎምኒ፣+ንርእሶም ከኣ መዕቘሪታት ማይ፡እወ፡ ማይ ዘይዓቍር ነቓዕ መዕቘሪታት ማይ ኵዒቶም።’* ግብሪ ሃዋርያት 17:28 መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም 28 ከመይሲ፡ ብእኡ ኢና እንነብርን እንወሳወስን፡ ብእኡ እውን ኢና ዘለና፣ ከምቲ ገለ ኻብ ተቐነይትኹም ዚብልዎ፡ ‘ንሕና እውን ደቁ* ኢና።’ ራእይ 4:11 መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም 11 “ኦ የሆዋ* ኣምላኽና፡ ንዅሉ ንስኻ ፈጢርካዮ፡+ ስለ ፍቓድካ እውን ኰይኑን ተፈጢሩን እዩ እሞ፡ ንስኻ ግርማን+ ክብርን+ ሓይልን+ ንምውሳድ ብቑዕ ኢኻ።”
13 ‘ህዝበይሲ ኽልተ ኽፉእ ነገር ገይሩ እዩ፦ ንዓይ ንምንጪ ህያው ማይ ሓዲጎምኒ፣+ንርእሶም ከኣ መዕቘሪታት ማይ፡እወ፡ ማይ ዘይዓቍር ነቓዕ መዕቘሪታት ማይ ኵዒቶም።’*