ኤርምያስ
2 ከምዚ ዚብል ቃል የሆዋ መጸኒ፦ 2 “ኪድ እሞ ኣብ ኣእዛን የሩሳሌም ከምዚ በል፦ ‘የሆዋ ኸምዚ ይብል፦
3 እስራኤል ንየሆዋ እተቐደሰ፡+ በዅራት ቀውዑ እዩ ነይሩ።”’
‘ንዕኡ ዚውሕጦ ዘበለ በዳሊ ይኸውን።
መዓት ድማ ይወርዶም’ ይብል የሆዋ።”+
4 ኣቱም ቤት ያእቆብ፡
ኵላትኩም ዓሌታት ቤት እስራኤል፡ ቃል የሆዋ ስምዑ።
5 የሆዋ ኸምዚ ይብል፦
ብበረኻ፡
ብምድረ በዳን+ ብጐዳጕድን፡
ብምድሪ ደርቅን+ ብብርቱዕ ጽላሎትን፡
ሰብ ብዘይጕዓዞን
ሰብ ብዘይነብረሉን ምድሪ ዝመርሓና
የሆዋ ኣበይ ኣሎ፧’ ኢሎም ኣይሓተቱን።
7 ሽዑ፡ ፍሪኣን ጽቡቓን ክትበልዑ፡
ናብ ምድሪ ግራት ፍረታት ኣምጺአኩም።+
ንስኻትኩም ግና ምስ መጻእኩም፡ ነታ ምድሪ ኣርኪስኩምዋ፣
ንርስተይ እውን ፍንፍንቲ ጌርኩምዋ።+
9 ‘ስለዚ፡ መሊሰ ኽብኣሰኩም እየ’+ ይብል የሆዋ፡
‘ምስ ደቂ ደቅኹም እውን ክብኣስ እየ።’
10 ‘ግናኸ፡ ናብ ገማግም ባሕሪ* ኪቲም+ ተሳገሩ እሞ ርኣዩ።
እወ፡ ናብ ቄዳር+ ልኣኹ እሞ ተጠንቂቕኩም ሕሰቡ፣
ከምዚ ዝበለ ዀይኑ እንተ ዀይኑ፡ ርኣዩ።
11 ንኣማልኽቱስ ኣማልኽቲ ብዘይኰኑ ዝለወጠ ህዝቢዶ ኣሎ፧
ህዝበይ ግና ንኽብረይ ብዘይጠቅም ለዊጥዎ።+
14 ‘እስራኤልሲ ጊልያ ወይ ኣብ ቤት እተወልደ ባርያ ድዩ፧
ስለምንታይ ደኣ ንዘመተ ኣሕሊፍካ ተዋሂቡ፧
15 ሽደናት ኣናብስ ጓዚሞምሉ፣+
ደሃዮም ኣልዒሎምሉ።
ንምድሩ መሰክሒ ገይሮምዋ።
ከተማታቱ ነዲደን፣ ስለዚ፡ ነባሪ የብለንን።
16 ህዝቢ ኖፍን*+ ታህጳኔስን+ ኣብ መንበስበስታኺ ተመጊቦም።
19 እከይኪ ኺእርመኪ፡
ጥልመትኪ ድማ ኪገንሓኪ ይግባእ።
20 ‘ጥንትስ ኣርዑትኪ ሰይረ፡+
መቓውሕኪ በጢሰ።
23 ከመይ ኢልኪ፡ ‘ኣይረኸስኩን።
ደድሕሪ በዓላት ኣይሰዓብኩን’ እትብሊ፧
መገድኺ ኣብ ስንጭሮ ተመልከቲ።
እንታይ ከም ዝገበርኪ ሕሰቢ።
ምስ ረሰነት መን ኪገትኣ ይኽእል፧
ኵሎም እቶም ዚደልይዋ ኺደኽሙ ኣየድልዮምን እዩ።
ኣብ ወርሓታ ኺረኽብዋ እዮም።
25 ኣእጋርኪ ጥራዩ ኻብ ምዃን፡
ጐረሮኺ ድማ ካብ ጽምኢ ሓልዊ።
ንስኺ ግና፡ ‘እዝስ ዘይከውን እዩ!+
27 ንኦም፡ ‘ንስኻ ኣቦና ኢኻ’ ይብሉ፣+
ንእምኒ፡ ‘ንስኺ ወሊድክና’ ይብሉ።
ናባይ ግና ዝባኖም እምበር ገጾም ኣይመለሱን።+
ብግዜ መዓቶም ድማ፡
‘ተንስእ እሞ ኣድሕነና!’ ኪብሉ እዮም።+
28 እቶም ዝገበርካዮም ኣማልኽትኻ ደኣ ኣበይ ኣለዉ፧+
ኦ ይሁዳ፡ ኣማልኽትኻ ኸም ከተማታትካ ብዙሓት ኰይኖም እዮም እሞ፡
ብግዜ መዓትካ ኼድሕኑኻ ዚኽእሉ እንተ ዀይኖምሲ ይተንስኡ።+
29 ‘ስለምንታይ ምሳይ እትብኣሱ፧
ስለምንታይከ ዅላትኩም ካባይ ዓሊኹም፧’+ ይብል የሆዋ።
30 ንደቅኹም ብኸንቱ ወቒዐ።+
31 ኣቱም ወለዶ፡ ንቓል የሆዋ ሕሰቡሉ።
ንእስራኤልዶ ኸም በረኻ፡
ወይስ ከም ምድሪ ድቕድቕ* ጸልማት ኰይነዮም እየ፧
እዞም ህዝበይ ደኣ ስለምንታይ እዮም፡ ‘ብናጽነት ኰለል ንብል ኢና።
ደጊም ናባኻ ኣይንምለስን ኢና’ ዝበሉ፧+
32 ድንግልዶ ስልማታ፡
መርዓትከ መቐነታ* ትርስዕ እያ፧
ህዝበይ ግና ቍጽሪ ንዘይብሉ መዓልትታት ረሲዑኒ።+
33 ፍቕሪ ኽትደልዪ ኢልኪ መገዲ ምቕናዕሲ ኽንደይ ኰን ትኽእልሉ ኢኺ!
ብመገድታት እከይ ርእስኺ ኣሰልጢንኪ ኣለኺ።+
35 ንስኺ ግና፡ ‘ኣነ ንጽህቲ እየ።
ብርግጽ ቍጥዓኡ ኻባይ ተመሊሱ እዩ’ ትብሊ።
‘ኣይሓጣእኩን’ ስለ እትብሊ፡
ሕጂ ኣነ ፍርዲ አምጽኣልኪ ኣለኹ።
36 ነቲ ዘይጽኑዕ መገድኺ ስለምንታይ ኣቕሊልኪ እትርእይዮ፧