ምሳሌ 11:2 መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም 2 ድፍረት ምስ መጸ፡ ውርደት ይስዕብ፣+ጥበብ ግና ምስ ትሑታት እያ።+ ዳንኤል 5:23 መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም 23 ኣብ ክንዳኡስ፡ ነቲ ጐይታ ሰማያት ርእስኻ ልዕል ኣቢልካሉ፣+ ኣቕሑ ቤቱ ኸም ዜምጽኡልካ ድማ ጌርካ።+ ሽዑ፡ ንስኻን ልዑላንካን ኣንስቲ ወሰንካን ዕቁባትካን ብእኡ ወይኒ ሰቲኹም፣ ንኣማልኽቲ ብሩርን ወርቅን ነሓስን ሓጺንን ዕንጨይትን እምንን፡ ነቶም ሓንቲ እኳ ዘይርእዩን ሓንቲ እኳ ዘይሰምዑን ሓንቲ እኳ ዘይፈልጡን ኣማልኽቲ ኸኣ ወዲስኩምዎም።+ ነቲ ትንፋስካን ኵሉ መገድታትካን ኣብ ኢዱ ዝዀነ ኣምላኽ ግና ኣየኽበርካዮን።+ ዳንኤል 5:30 መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም 30 በታ ለይቲ እቲኣ፡ ቤልሻጽር ንጉስ ከለዳውያን ተቐትለ።+ ግብሪ ሃዋርያት 12:21-23 መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም 21 ብምድብቲ መዓልቲ ግና፡ ሄሮድስ ልብሰ መንግስቲ ለቢሱ ኣብ መንበር ፍርዲ ተቐመጠ፣ ተዛረቦም እውን። 22 እቶም እተኣከቡ ህዝቢ ድማ፡ “እዝስ ድምጺ ኣምላኽ እዩ እምበር፡ ድምጺ ሰብ ኣይኰነን!” ኢሎም ጨደሩ። 23 ንሱ ንኣምላኽ ክብሪ ስለ ዘይሃበ ኸኣ፡ መልኣኽ የሆዋ* ብቕጽበት ወቕዖ፣ ሓሲኹ እውን ሞተ።
23 ኣብ ክንዳኡስ፡ ነቲ ጐይታ ሰማያት ርእስኻ ልዕል ኣቢልካሉ፣+ ኣቕሑ ቤቱ ኸም ዜምጽኡልካ ድማ ጌርካ።+ ሽዑ፡ ንስኻን ልዑላንካን ኣንስቲ ወሰንካን ዕቁባትካን ብእኡ ወይኒ ሰቲኹም፣ ንኣማልኽቲ ብሩርን ወርቅን ነሓስን ሓጺንን ዕንጨይትን እምንን፡ ነቶም ሓንቲ እኳ ዘይርእዩን ሓንቲ እኳ ዘይሰምዑን ሓንቲ እኳ ዘይፈልጡን ኣማልኽቲ ኸኣ ወዲስኩምዎም።+ ነቲ ትንፋስካን ኵሉ መገድታትካን ኣብ ኢዱ ዝዀነ ኣምላኽ ግና ኣየኽበርካዮን።+
21 ብምድብቲ መዓልቲ ግና፡ ሄሮድስ ልብሰ መንግስቲ ለቢሱ ኣብ መንበር ፍርዲ ተቐመጠ፣ ተዛረቦም እውን። 22 እቶም እተኣከቡ ህዝቢ ድማ፡ “እዝስ ድምጺ ኣምላኽ እዩ እምበር፡ ድምጺ ሰብ ኣይኰነን!” ኢሎም ጨደሩ። 23 ንሱ ንኣምላኽ ክብሪ ስለ ዘይሃበ ኸኣ፡ መልኣኽ የሆዋ* ብቕጽበት ወቕዖ፣ ሓሲኹ እውን ሞተ።