ዘጸኣት 20:12 መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም 12 “ኣብታ የሆዋ ኣምላኽካ ዚህበካ ምድሪ ዕድሜኻ ምእንቲ ኺነውሕ፡+ ኣቦኻን ኣዴኻን ኣኽብር።+ ዘሌዋውያን 20:9 መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም 9 “‘ንኣቦኡ ወይ ንኣዲኡ ዚረግም ዘበለ ሰብ ብርግጽ ይቀተል።+ ንኣቦኡ ወይ ንኣዲኡ ረጊሙ እዩ እሞ፡ ደሙ ኣብ ርእሱ እዩ። ምሳሌ 20:20 መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም 20 ንኣቦኡን ንኣዲኡን ዚረግም፡ጸልማት ኪመጽእ ከሎ፡ መብራህቱ ይጠፍእ።+ ምሳሌ 30:17 መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም 17 ነታ ንኣቦ እተላግጸሉ፡ ንኣደ ኸይትእዘዛ ኸኣ እትንዕቃ ዓይኒ፡+ኳዃት ስንጭሮ* ኺጕጥጕጥዋ፡ጨቓዊት ንስሪ ድማ ኪበልዕዋ እዮም።+