ዘጸኣት 20:12 መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም 12 “ኣብታ የሆዋ ኣምላኽካ ዚህበካ ምድሪ ዕድሜኻ ምእንቲ ኺነውሕ፡+ ኣቦኻን ኣዴኻን ኣኽብር።+ ዘሌዋውያን 20:9 መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም 9 “‘ንኣቦኡ ወይ ንኣዲኡ ዚረግም ዘበለ ሰብ ብርግጽ ይቀተል።+ ንኣቦኡ ወይ ንኣዲኡ ረጊሙ እዩ እሞ፡ ደሙ ኣብ ርእሱ እዩ። ምሳሌ 19:26 መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም 26 ንኣቦኡ ዚገፍዖን ንኣዲኡ ዚሰጕጓን፡መሕፈርን ውርደተኛን ወዲ እዩ።+