መዝሙር 49:17 መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም 17 ምስ ሞተስ፡ ገለ እኳ ኺማላእ ኣይክእልን እዩ፣+ግርማኡ ምስኡ ኣይወርድን እዩ።+ ሉቃስ 12:20 መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም 20 ኣምላኽ ግና፡ ‘ኣታ ዓሻ፡ በዛ ለይቲ እዚኣ፡ ንህይወትካ* ኻባኻ ኺወስድዋ ይደልይዋ ኣለዉ። እቲ ዝደለብካዮ ደኣ ንመን ኪኸውን እዩ፧’ በሎ።+ 1 ጢሞቴዎስ 6:7 መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም 7 ከመይሲ፡ ናብ ዓለም ሓንቲ እኳ ኣየምጻእናን፡ ሓንቲ እውን ክንወስድ ኣይንኽእልን ኢና።+