መዝሙር 80:8 መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም 8 ተኽሊ ወይኒ+ ኻብ ግብጺ ኣውጺእካ። ንኣህዛብ ሰጒጕካ ድማ ተኺልካያ።+ ኢሳይያስ 5:7 መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም 7 እቲ ናይ የሆዋ ጐይታ ሰራዊት ኣታኽልቲ ወይንስ ቤት እስራኤል እዩ፣+ሰብ ይሁዳ ኸኣ ንሱ ዚፈትዎም ዝነበረ ኣትክልቲ* እዮም። ፍትሒ ተጸበየ፣+እንሆ ግና፡ ዘይፍትሓውነት። ጽድቂ ተጸበየ፣እንሆ ግና፡ ኣውያት።”+ ኤርምያስ 2:21 መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም 21 ሕሩይ ቀይሕ ተኽሊ ወይኒ፡+ ኵሉ ጽሩይ ዘርኢ ገይረ ተኺለኪ፣ከመይ ኢልኪ ደኣ ብልሽውቲ ጨናፍር ጓና ተኽሊ ወይኒ ዄንኪ ኣብ ቅድመይ ተለዊጥኪ፧’+ ሉቃስ 20:9 መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም 9 ነቶም ህዝቢ ኸኣ እዛ ምሳሌ እዚኣ ኺምስለሎም ጀመረ፦ “ሓደ ሰብኣይ ኣታኽልቲ ወይኒ ተኸለ፡+ ንሓረስቶት ብመገስ ሂቡ* ኸኣ ንነዊሕ እዋን ናብ ካልእ ሃገር ገሸ።+
7 እቲ ናይ የሆዋ ጐይታ ሰራዊት ኣታኽልቲ ወይንስ ቤት እስራኤል እዩ፣+ሰብ ይሁዳ ኸኣ ንሱ ዚፈትዎም ዝነበረ ኣትክልቲ* እዮም። ፍትሒ ተጸበየ፣+እንሆ ግና፡ ዘይፍትሓውነት። ጽድቂ ተጸበየ፣እንሆ ግና፡ ኣውያት።”+
9 ነቶም ህዝቢ ኸኣ እዛ ምሳሌ እዚኣ ኺምስለሎም ጀመረ፦ “ሓደ ሰብኣይ ኣታኽልቲ ወይኒ ተኸለ፡+ ንሓረስቶት ብመገስ ሂቡ* ኸኣ ንነዊሕ እዋን ናብ ካልእ ሃገር ገሸ።+